12 እግዚኣብሄር ነዝ ወሪዱኒ ዘሎ ዓመፃ ሪኡስ፥ ክንዲ እዝ ሎሚ ዝቕበሎ ዘለኹ መርገም ምናልባሽ ፅቡቕ ይፈድየኒ ይኸውን” በሎም።
ዳዊትን ሰቡን ብመንገዳ መንገዲ ይኸዱ ነበሩ፤ ሳሚ ኸዓ ኣብ መንፅሩ ብጎቦ እቲ ዀረብታ ኣቢሉ እናኸደ እንተሎ ይረግሞ፥ እምኒውን ይድርብየሉ፥ ሓመድ ከዓ የብንነሉ ነበረ።
ንጉስ ኣሶር ንራፋስቂስ ልኢኹ እቲ ዅሉ ንህያው እግዚኣብሄር ዝፀረፎ ፀርፊ፥ ኣምላኽካ እግዚኣብሄር ሰሚዑ፥ ኣምላኽካ እግዚኣብሄርውን ስለ እቲ ዝሰምዖ ቓል እንተ ገሰፆ፥ ምእንቲ እዝ ተረፍ ፀሎት ግበር’ ” በልዎ።
ረአኻዮ፤ ንስኻ ክፍኣትን ቍጥዓን ትርኢ ኢኻሞ፥ ብኢድካ ዋጋ ንምኽፋልውን ትምልከት፤ ረዳኢ ደኽታም ኢኻሞ፥ ምስኪን፥ ንባዕሉ ኣባኻ የማዕቝብ።
ንሳቶም ይራገሙ፤ ንስኻ ግና ባርኽ፤ እቶም ኣባይ ዝለዓሉ፥ ይሕፈሩ፤ ባርያኻ ግና ይተሓጐስ።
ኦ ጐይታ፥ ንዳዊትን ንዅሉ የዋህነቱን ዘክር።
ንድኻመይን መከራይን ረአ፤ ንዅሉ ሓጢኣተይውን ይቕረ በለለይ።
ከምዙይ እንተ ደኣ ጌርካ፥ ጓህሪ ሓዊ ኣብ ርእሱ ትእክብ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኽፈድየካ እዩ።
ከምታ እትነፍር ጭሩን፥ እትበርር ለዃዅቶን ዘይትዓልበካ፥ ከምኡ ኸዓ ምኽንያት ዘይብሉ መርገም ኣይበፅሕን።
ከምቲ ነቶም ወቓዕቱ ዝወቕዖምዶ ወቒዕዎ እዩ? ወይ ከዓ ንቕቱላቱ ኸም ዝቐተሎምዶ ተቐቲሉ እዩ?
ብምሕረቱ ተናሲሑ ዝምለስ እንተ ኾነ፥ ብድሕሪኡ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ብቝርባን እኽልን ብቝርባን መስተን፥ በረኸት ዝሓድግ እንተ ኮነ፥ መን ይፈልጥ?
ነቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈትዉዎን፥ ከም ፍቓዱውን ንዝተፀውዑን፥ ኩሉ ነገራት፥ እግዚኣብሄር ንሰናይ ከም ዝገብረሎም ንፈልጥ ኢና።
እዝ ቐልጢፉ ዝሓልፍን፥ ቀሊል ዝኾነ መከራና ኸዓ፥ ካብ ኵሉ ዝበልፅን፥ ማዕረ ዘይብሉን፥ ዘለኣለማዊ ኽብሪ ኸውህበና እዩ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስለ ዘፍቀረኩም ግና፥ ንበለዓም ክሰምዖ ኣይደለየን፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነቲ መርገም ናብ ምርቓ ደኣ ለወጠልኩም እምበር።
ምሉእ ዕድሜኹም ንዘለኣለም ሰላሞምን ልምዓቶምን ኣይትድለዩ።
ጐይታና ኢየሱስ፥ ምስቶም ሓያላት መላእኽቱ፥ ብነበልባል ሓዊ ኻብ ሰማይ እንትመፅእ፥ መከራ ንትቕበሉ ንኣኻትኩም ግና፥ ምሳና ዕረፍቲ ኽህበኩም እዩ።
ስጋውያን ኣቦታትና፥ ንቑሩብ ጊዜ ኸምቲ ፅቡቕ እዩ ኢሎም ዝገመትዎ ገይሮም ይቐፅዑና፤ እግዚኣብሄር ግና፥ ናይ ቅድስናኡ ተኻፈልቲ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ ንጥቕምና ይቐፅዐና።
“ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር! ውርደት ባርያኻ ኣፀቢቕካ ርኢኻ እንተ ዘከርካኒ፥ ንኣይ ንባርያኻ እውን እንተይረሳዕኻ ወዲ እንተ ደኣ ሂብካኒ፥ ኣነ ድማ ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ንኣኻ ንእግዚኣብሄር ከገልግል ክውፍዮ እየ፤ ርእሱ ኸዓ ኸቶ ኣይላፀን እዩ” እናበለት ተመባፅዐት።