10 ንጉስ ግና “ኣቱም ደቂ ፅሩያ፥ ምሳኻትኩም እንታይ ኣለኒ? እቲ ዝረግመኒ ዘሎስ፥ እግዚኣብሄር ‘ንዳዊት ርገሞ’ ኢሉ ኣዚዝዎ እንተ ኾነ ንእግዚኣብሄር ‘ስለ ምንታይ ከምዙይ ትገብር?’ ዝብሎ መን እዩ?” በሎ።
ንስኻትኩም ንኽፉአይ ሓሰብኩም፤ እግዚኣብሄር ግና፥ ከምቲ ሎሚ ኾይኑ ዘሎ ምእንቲ ኽገብርን፥ ብዙሕ ህዝቢ ምእንቲ ኸድሕንን ንፅቡቕ ገበሮ።
ዳዊት ድማ “ኣቱም ደቂ ፅሩያ፥ ስለ ምንታይ ትፃረሩኒ? ምሳኻትኩምከ እንታይ ኣለኒ? ሎሚ ኣብ እስራኤል ኣነ እየ ንጉስ፤ ሎሚ ኸዓ ኣብ እስራኤል ሰብ ብሞት ኣይቕፃዕን እዩ?” በሎም።
ንጉስ ከዓ ንሳሚ “ኣይትመውትን ኢኻ” ኢሉ መሓለሉ።
ኣነ ንጉስ ክኸውን እንተ ተቐባእኹ እኳ፥ ድኹም እየ፤ እዞም ደቂ ፅሩያ ድማ በርቲዖምኒ ኣለዉ። ነቲ ኽፉእ ዝገብርስ፥ እግዚኣብሄር ደኣ ኸምቲ ኽፍኣቱ ይፍደዮ” በሎም።
ሽዑ ንሳ ንኤልያስ “ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ እንታይ ደኣ ገይረካ? ሓጢኣተይ ክተዘክርን ወደይ ክትቀትልን ዲኻ ዝመፃእኻኒ?” በለቶ።
“እቲ ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ዝገበረኒ ድማ ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ፤ ነቶም ክልተ ኣሕሉቕ ሰራዊት እስራኤል፥ ንኣበኔር ወዲ ኔርን ንኣሜሳይ ወዲ ዬቴሩን ቀተሎም፤ ብጊዜ ውግእ ዝፈሰሰ ደም ምእንቲ ኽብቀል፥ ብጊዜ ሰላም ደም ኣፍሰሰ። ኣብቲ ኣብ ሕቘኡ ዝነበረ ቕናቱን፥ ኣብቲ ኣብ እግሩ ዝነበረ ኣሳእኑን ድማ ደም ገበረ።
ብዘይ ፍቓድ እግዚኣብሄርዶ ነዛ ሃገር እዚኣ ኸጥፍኣ ዝመፃእኹ ይመስለካ? እግዚኣብሄር እዩ ናብዛ ሃገር እዚኣ ደይብካ ኣጥፍኣያ ዝበለኒ በልዎ” በሎም።
እንሆ፥ ንሱ ቐልጢፉ እንተ መንጠለ መን ክኽልክሎ ይኽእል? “ንእኡኸ እንታይ ትገብር ኣለኻ?” ኽብሎ ዝኽእል መን እዩ?
ንስኻ ሰሪሕካኒ ኢኻሞ፥ ስቕ በልኩ፤ ኣፈይውን ኣይከፈትኩን።
ንጉስ ብስልጣን ይእዝዝ እዩሞ፥ “ንምንታይ እዙይ ትገብር” ዝብሎኸ መን እዩ?
ሜም። እግዚኣብሄር ዘይኣዘዞ፥ ዝናገርን ዝፍፅምን መን እዩ?
እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዅሎም፥ ብእኡ ኸም ኢምንት ይቝፀሩ፤ ንሱ ኣብ ሰራዊት ሰማይን ኣብቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩን ከም ፍቓዱ ይገብር። ንኢዱ ክኽልክላ፥ ወይ ‘ስለ ምንታይ እዙይ ትገብር?’ ክብሎ ዝኽእልውን የለን።
ኢየሱስ ግና ግልፅ ኢሉ ንጴጥሮስ፥ “ንስኻ ናይ ሰብ እምበር፥ ናይ እግዚኣብሄር ስለ ዘይትሓስብ፥ ንኣይ ዕንቅፋት ኴንካኒ ኢኻሞ፥ ሰይጣን ካባይ ረሓቕ!” በሎ።
እንሆ ኸዓ “ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሄር! ንስኻ ምሳና እንታይ ኣለካ? ጊዜኡ እንተይበፅሐዶ ኽተሳቕየና ናብዙይ መፂእኻ?” እናበሉ ዓው ኢሎም ኣእወዩ።
ኢየሱስ ድማ ንጴጥሮስ “ሰይፍኻ ናብ ሰገባኡ ምለስ፤ ነቲ ኣቦይ ዝሃበኒ ፅዋዕ ኣይሰትዮን ድየ?” በሎ።
ኣታ ሰብ፥ ንእግዚኣብሄር እትከራኸሮ፥ ንስኻ መን ኢኻ? ስራሕ፥ ንሰራሒኡ ንምንታይ ከምዙይ ጌርካ ሰራሕኻኒ፥ ክብሎዶ ይኽእል እዩ?
ምስ ፀረፍዎ መሊሱ ኣይፀረፈን፤ መከራ እንተፅንዑሉውን፥ ነቲ ብቕንዕና ዝፈርድ እግዚኣብሄር ደኣ፥ ነገሩ ኣሐሊፉ ሃበ እምበር፥ ኣየፈራርሐን።
እምበኣር ሕዝስ በይዛኻ፥ ጐይታይ ንጉስ! ዘረባ ሓሽከርካ ስማዕ። እቲ ንኣይ ንምስጓጕ ዝደፋፍአካ ዘሎ እግዚኣብሄር እንተ ኾይኑ፥ ነቲ እትገብሮ ዘለኻ ኸም ምዑዝ መስዋእቲ ይቀበለልካ። ደቂ ሰብ እንተ ኾይኖም ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርጉማት ይኹኑ። ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸምልኽ፥ ኣብ ምድሪ እግዚኣብሄር ከዓ ኽፍሊ ምእንቲ ኸይረክብ ከም ዝስደድ ገይሮምኒ እዮም እሞ።