9 ንጉስ ከዓ “ብሰላም ኪድ” በሎ። ተሲኡ ድማ ናብ ኬብሮን ከደ።
ኣቤሴሎም ግና ናብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል፥ ሰባት ብምስጢር ልኢኹ “ድምፂ መለኸት ምስ ሰማዕኹም ‘ኣቤሴሎም ኣብ ኬብሮን ነጊሱ’ በሉ” በሎም።
ኣነ ሓሽከርካ ኣብ ጌሹር ናይ ሶርያ እንተለኹ ‘እግዚኣብሄር ናብ ኢየሩሳሌም ብርግፅ እንተ ደኣ መሊሱኒ፥ ንእግዚኣብሄር ኣብ ኬብሮን ክሰግደሉ እየ’ ኢለ ተመባፂዐ ነይረ እየሞ” በሎ።
ኢያሱ፥ ምስ ኵሎም ደቂ እስራኤል ኮይኑ፥ ካብ ኣዶላም ናብ ኬብሮን ደዪቦም ተዋግእዋ፤ ሓዝዋውን።
ሽዑ ኤሊ “ብሰላም ኪዲ፤ ኣምላኽ እስራኤል፥ ኵሉ ዝለመንክዮ ልመና ይሃብኪ” በላ።
ዳዊት ድማ እቲ ዘምፅአትሉ ኻብ ኢዳ ተቐቢሉ፥ “እንሆ ዘረባኺ ሰሚዐ፥ ተቐቢለዮ ኣለኹ። ናብ ገዛኺ ብሰላም ተመለሲ” በላ።