6 ኣቤሴሎም ናብ ንጉስ ክፍረድ ኢሉ ንዝመፀ ዅሉ እስራኤል ከምዙይ እናበለ ይቕበሎ ነበረ። ከምዙይ እናገበረ ኸዓ ልቢ ሰብ እስራኤል ሰረቐ።
ሓደ ልኡኽ ናብ ዳዊት መፂኡ ኸዓ፦ “ሰብ እስራኤል ደድሕሪ ኣቤሴሎም ይስዕቡ ኣለዉ” በሎ።
ክፉእ ሰብ ንብፃዩ ብኣፉ የጥፍኦ፤ ፃድቕ ግና ብፍልጠት የምልጥ።
ኣነ እቶም ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝመላለሱ ኹሎም ህያዋን፥ ምስቲ ኽንድኡ ኽቐውም ዝተመደበ ኻልእ ጐበዝ ኮይኖም ረአኽዎም።
“ንእኡ ተኪኡ፥ ሓደ ዝተንዓቐ ኽብሪ መንግስቲ ዘይተውሃቦ ሰብ፥ ክለዓል እዩ፤ ቀስ ኢሉ ኽመፅእ፥ እናቀባጠረ ድማ፥ ነታ መንግስቲ ኽሕዛ እዩ።
እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይኮነስ፥ ንኸብዶም እዮም ዝግዝኡ። ብነገር ብምትላልን፥ የዋህ ብምምሳልን፥ ንብዙሓት ገርህታት የስሕትዎም እዮም እሞ።
ንሳቶም ስሱዓት ስለ ዝኾኑ፥ ብዘረባ እናጠበሩ መናገዲ ኽገብሩኹም እዮም። ካብ ቀደም ፍርዶም ተዳልዩ እዩ፤ ጥፍኣትውን ብርግፅ ይፅበዮም ኣሎ።