5 ዝኾነ ሰብ ክሰግደሉ ኢሉ እንተ ቐረቦ ብኢዱ ሒዙ ይስዕሞ ነበረ።
ኢዮኣብ ከዓ ናብ ንጉስ ኣትዩ እዝ ነገር እዙይ ነገሮ። ንጉስ ድማ ንኣቤሴሎም ፀውዖ፤ ኣቤሴሎም ከዓ ናብ ንጉስ መፂኡ፤ ኣብ ቅድሚኡ ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ። እቲ ንጉስ ድማ ንኣቤሴሎም ሰዓሞ።
ኢዮኣብ ድማ ንኣሜሳይ “ደሓንዶ ኣለኻ፤ ሓወይ?” ኢሉ፥ ዝስዕሞ መሲሉ ብየማነይቲ ኢዱ ጭሕሙ ሓዞ።
ዘረባኡ ኻብ ጠስሚ ለዘበ፤ ኣብ ልቡ ግና ዂናት ኣሎ፤ ቃላቱ ኻብ ዘይቲ ለስለሱ፤ ንሳቶም ግና ኸም ዝተመዘዘ ሰይፊ እዮም።
ብልዙብ ቃል እንተ ተዛረበካ ኣይትእመኖ፤ ኣብ ልቡ ሸውዓተ ርኽሰት ኣለዎሞ።
ንስኻ ኣይሰዓምካንን፤ እዚኣ ግና ኻብ ዝኣቱ ጀሚራ፥ ኣእጋረይ ካብ ምስዓም ኣየቋረፀትን።