Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




2 ሳሙኤል 15:3 - መፅሓፍ ቅዱስ

3 ኣቤሴሎም ድማ “ረአ፥ ነገርካስ ፅቡቕን ቅኑዕን ነይሩ፤ ግና ኽንዲ ንጉስ ኮይኑ ኽሰምዐካ ዝተኣዘዘ የለን” ይብሎ ነበረ።

Ver Capítulo Copiar




2 ሳሙኤል 15:3
16 Referencias Cruzadas  

ቀፂሉውን “ኣነ ዳኛ እንተ ዝኸውን ነፍሲ ወከፍ ጉዳይ ወይ ዝፍረድ ነገር ዘለዎ ሰብ ናባይ እንተ ዝመፅእ፥ ሓቂ ምፈረድኩሉ ነይረ፤ ኣብዛ ሃገር እሞ መን ፈራዲ ይገብረኒ!” ይብል ነበረ።


ዳዊት ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ነገሰ። ዳዊት ንዅሉ ህዝቡ ብፍትሕን ብፅድቅን የመሓድር ነበረ።


ንስንሳቶም ከንቱ ነገር ይናገሩ፤ ብጠባሪ ኸንፈርን ብኽልተ ልብን ይዛረቡ።


“ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኽነውሕ፥ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር።


“ነቦኡ ወይ ንኖኡ ዝፀረፈ፥ ይቀተል።


ሕያዋይ ሰብ ካብ እግዚኣብሄር ሞገስ ይረክብ፤ ንተንኰለኛ ግና ይቐስፎ።


“ነቦኡ ዝረግሞ፥ ንኖኡ ኸዓ ዘየመስግን ትውልዲ ኣሎ፤


“ናይቲ ነቦኡ ዘባጭወሉ፥ ንኖኡ ኸዓ ዝንዕቓን ዘይእዘዛን ኣዒንቲ፥ ኳዃት ሩባ ኽጕጥጕጥወን፥ ጨቃውቲ ንስሪ ኸዓ ኽበልዕወን እዮም።”


ኣባኺ ነቦን ንኖን ነዓቑ፤ ኣብ ማእኸልኪ ንመፃእተኛ ገፍዑ፤ ኣባኺ ንደኽታምን ንመበለትን ጨቈኑ።


“ንእኡ ተኪኡ፥ ሓደ ዝተንዓቐ ኽብሪ መንግስቲ ዘይተውሃቦ ሰብ፥ ክለዓል እዩ፤ ቀስ ኢሉ ኽመፅእ፥ እናቀባጠረ ድማ፥ ነታ መንግስቲ ኽሕዛ እዩ።


ናብ ሙሴን ኣሮንን ተኣኪቦም መፁ እሞ፥ “ኵሉ እዝ ህዝቢ ቅዱስ እዩ፤ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ማእኸሉ እዩ። ስለ ምንታይ ኣብ ልዕሊ ማሕበር እግዚኣብሄር ኴንኩም እትዕበዩ? እምብዛ ኣብዚሕኹምዎ” እናበሉ ተፃረርዎም።


እግዚኣብሄር፥ ‘ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር፤ ነቦኡን ንኖኡን ዝፀርፍ ፈፂሙ ይቀተል’ ኢሉ ኣሎ።


ጳውሎስ ድማ “ኣሕዋተይ፥ ሊቀ ካህናት ምዃኑ ብዘይምፍላጠይ እየ፤ ‘ንሹም ህዝብኻ ኣይትፅረፍ’ ዝብል ተፅሒፉ እዩ እሞ” በሎም።


ንዅሉ ሰብ ኣኽብሩ፤ ፍቕሪ ኣሕዋት ይሃሉኹም፤ ንእግዚኣብሄር ፍርሑ፤ ንንጉስውን ኣኽብሩ።


ብሕልፊ እኳ፥ ደድሕሪ እቲ ርኹስ ዝኾነ ስጋዊ ፍትወቶም ንዝስዕቡ፥ ንስልጣን እግዚኣብሄርውን ንዝንዕቑ፥ ንፍርዲ ኸፅንሖም እዩ። ደፋራትን ትዕቢተኛታትን ስለ ዝኾኑ፥ ነቶም ናይ ሰማይ ስልጣናት እንትፃረፉ ኣይፈርሑን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos