2 ኣንጊሁ ተሲኡ ድማ ኣብ ጥቓ እታ ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ እተእቱ መንገዲ ደው ይብል ነበረ። ኵሉ ጉዳይ ዝነበሮ እሞ ኽፍረድ ኢሉ ናብ ንጉስ ንዝመፀ ሰብ፥ ኣቤሴሎም ፀዊዑ “ንስኻ ኻብ ኣየናይ ከተማ ኢኻ?” ኢሉ ይጥይቖ። ንሱ ኸዓ “ኣነ ሓሽከርካ ኻብ ሓደ ነገድ እስራኤል እየ” ይብሎ።
ኤሞርን ወዱ ሴኬምን ናብ ባይቶ ኸይዶም፥ ንሰብ እታ ኸተማኣቶም ከምዙይ ኢሎም ተዛረብዎም፦
ሽዑ ንጉስ ተሲኡ ኣብ ደገ ተቐመጠ። “እንሆ፥ ንጉስ ኣብ ደገ ተቐሚጡ ኣሎ” ኢሎም ድማ ንዅሉ ህዝቢ ነገርዎ። ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ ናብ ቅድሚ ንጉስ መፀ። እስራኤል ግና፥ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ሃዲሙ ነበረ።
ንሳቶም ከዓ “ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ሕያዋይ እንተ ኾንካሎም፥ እንተ ለዋህኻሎም፥ ጥዑም ዘረባውን እንተ ኣስማዕኻዮም፥ ንሓዋሩ ሓሻኽር ኮይኖም ከገልግሉኻ እዮም” ኢሎም መለሱሉ።
እቲ ቐታሊ ነፍሲ ኣንጊሁ ይትስእ፤ ንድኻን ንውፁዕን ይቐትል፤ ብለይቲ ኸዓ ኸም ሰራቒ እዩ።
ሓሙኡ ኸዓ፥ እቲ ሙሴ ኣብ ህዝቢ ዝገብሮ ዅሉ ምስ ረአየ “እዝ ኣብዝ ህዝቢ እዙይ እትገብሮ ዘለኻ ነገር እንታይ እዩ? ስለ ምንታይከ ኢኻ፥ ኵሉ ህዝቢ ኻብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት ከቢቡካ ደው ኢሉ እንተሎ፥ ንስኻ በይንኻ ኽትፈርድ እትቕመጥ?” በሎ።
ክልተ ሰብ፥ ነገር እንትህልዎምውን ናባይ ይመፁ፤ ኣነውን ኣብ መንጎ ሓደ ሰብን ብፃዩን እፈርድ፤ ናይ እግዚኣብሄር ስርዓትን ሕግጋትን ድማ እነግሮም” ኢሉ መለሰሉ።
ንሳቶም ድማ ንህዝቢ ዅልሻዕ ይፈርድዎ ነበሩ። ብርቱዕ ነገር ዝኾነ ኸዓ፥ ናብ ሙሴ የምፅእዎ ነበሩ። እቲ ንእሽተይ ዝኾነ ነገር ግና ንሳቶም ይፈርድዎ ነበሩ።
ንሳቶም ክፉእ እንተይገበሩ ኣይድቅሱን እዮምሞ፤ እንተ ዘይጐድኡውን ድቃስ ይኣብዮም እዩሞ።
“ንእኡ ተኪኡ፥ ሓደ ዝተንዓቐ ኽብሪ መንግስቲ ዘይተውሃቦ ሰብ፥ ክለዓል እዩ፤ ቀስ ኢሉ ኽመፅእ፥ እናቀባጠረ ድማ፥ ነታ መንግስቲ ኽሕዛ እዩ።
ምስ ወግሐ፥ ኵሎም ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ህዝብን፥ ንኢየሱስ ክቐትልዎ ተማኸሩ።
“ኣብ መንጎ ደምን፥ ደምን፥ ኣብ መንጎ ፍርድን፥ ፍርድን፥ ኣብ መንጎ ምቝሳልን፥ ምቝሳልን ኣብ ውሽጢ ኸተማታትኩም ሰባት ስለ ዝከራኸርዎ ኽርክር ንምፍራድ ዝፀገመኩም እንተ ሃልዩ፥ ተሲእኹም ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሓረያ ቦታ ኺዱ።
ቦኤዝ ድማ ናብ ባይቶ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ኸይዱ ኾፍ በለ። እንሆ ከዓ፥ እቲ ቦኤዝ ብዛዕባኡ ዝተዛረበሉ ናይ ቀረባ ዘመድ ይሓልፍ ነበረ። ንእኡ ድማ ፀዊዑ “ኣግልስ እሞ ቕርብ ኢልካ ኣብዙይ ተቐመጥ” በሎ። ንሱ ኸዓ ቕርብ ኢሉ ተቐመጠ።