10 ኣቤሴሎም ግና ናብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል፥ ሰባት ብምስጢር ልኢኹ “ድምፂ መለኸት ምስ ሰማዕኹም ‘ኣቤሴሎም ኣብ ኬብሮን ነጊሱ’ በሉ” በሎም።
ንሓሻኽሩ ድማ “ኣስተውዒልኩም ስምዑኒ፤ ኣምኖን ወይኒ ሰትዩ ልቡ ደስ ምስ በሎ ረአዩ፤ ንኣምኖን ቅተልዎ ምስ በልኩኹም ቅተልዎ። ንስኻትኩም ከዓ ኣነ ባዕለይ እእዝዘኩም ስለ ዘለኹ ኣይትፍርሑ፤ ፅንዑ፤ ሓያላት ድማ ኹኑ” በሎም።
ሽዑ ኣቤሴሎም ንኣገልገልቱ “ስምዑ፥ ኢዮኣብ ኣብ ጥቓ ግራተይ ግራት ስገም ኣላቶ እሞ ኼድኩም ብሓዊ ኣባርዕዋ” በሎም። እቶም ኣገልገልቲ ኣቤሴሎም ከዓ ነታ ግራት ብሓዊ ኣባርዕዋ።
ንጉስ ከዓ “ብሰላም ኪድ” በሎ። ተሲኡ ድማ ናብ ኬብሮን ከደ።
እቲ ኣብ ልዕሌና ዝቐባእናዮ ኣቤሴሎም ድማ ኣብ ኲናት ሞተ። ሕዚ ኸዓ፥ ንምምላስ እቲ ንጉስ ስለ ምንታይ ስቕ እትብሉ?” ኢሎም ንስንሳቶም ተኻትዑ።
ድሕሪዙይ ዳዊት “ካብ ከተማታት ይሁዳ ናብ ሓዲአንዶ ኽድይብ?” ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ከዓ “ደይብ” በሎ። ዳዊት ድማ “ናበየነይቲ ኽድይብ?” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ “ናብ ኬብሮን” በሎ።
ዳዊት ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ኣብ ኬብሮን ሸውዓተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ነገሰ።
ኣብ ኬብሮን ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ሸውዓተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ነገሰ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤልን ይሁዳን ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ።
ሽዑ ናታን ንቤርሳቤህ እኖ ሰሎሞን፥ “ጐይታና ንጉስ እንተይፈለጠ፥ ካብ ኣጊት ዝውለድ ኣዶንያስ ከም ዝነገሰዶ ኣይሰማዕኽን ኢኺ?” በላ።
ኣብኡ ኸዓ ኻህን ሳዶቅን ነቢይ ናታንን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክነግስ ይቕብእዎ። መለኸት እናነፋሕኹም ድማ ‘ንጉስ ሰሎሞን ህያው ይኹን’ በሉ።
ሽዑ ዅሎም ቀልጢፎም ከክዳውንቶም ወሲዶም ኣብ ትሕቲኡ፥ ኣብቲ ናይ ደብሪ መደያይቦ ኣንፀፉ፤ መለኸት እናነፍሑ ድማ “ኢዩ ነጊሱ” እናበሉ ኣወጁ።
ስለዙይ ኵሎም ዓበይቲ እስራኤል ናብ ንጉስ ናብ ኬብሮን መፁ፤ ዳዊት ከዓ ኣብ ኬብሮን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስኣቶም ኪዳን ኣተወ። ከምቲ ብሳሙኤል ዝተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ድማ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክኸውን ቀብእዎ።
እቶም ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ነታ መንግስቲ ሳኦል ናብ ዳዊት ምእንቲ ኸሳግርዋ ናብኡ ናብ ኬብሮን ዝመፁ ተዋጋእቲ ቝፅሮም እዙይ እዩ፦
ኵሎም እዚኣቶም ንውግእ ዝተዳለዉ ሰራዊት፥ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ከንግስዎ፥ ብፍፁም ልቢ ናብ ኬብሮን መፁ። እቲ ዝተረፈ ዅሉ ህዝቢ እስራኤል ከዓ ንዳዊት ከንግስ ተሰማሚዑ ነበረ።