1 ድሕሪዙይ ኣቤሴሎም ሰረገላን ኣፍራስን ገበረ፤ ቀቅድሚኡ ዝጐዩ ሓምሳ ዓጀብቲውን ገበረ።
“እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ‘እንሆ፥ ካብ ገዛኻ ክፉእ ከተስአልካ እየ። ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ነንስትኻ ወሲደ ንብፃይካ ኽህበን እየ። ንሱ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እዛ ፀሓይ እዚኣ ምስተን ኣንስትኻ ኽድቅስ እዩ።
ንሱ ኸዓ “ነቶም ሓለውተይ ምሳኻትኩም ተማሊእኹም፥ ንወደይ ሰሎሞን ከዓ ኣብ በቕለይ ኣቐሚጥኩም ናብ ሩባ ግዮን ኣውርድዎ።
ኣቤሴሎም ስለ ዝሞተ፥ እቲ ኻብ ኣጊት ዝውለድ ኣዶንያስ ወዲ ዳዊት፥ ድሕሪ ኣቤሴሎም ዝተወለደ ነበረ። ንሱ የመና ምልኩዕ ሰብኣይ ነበረ፤ ኣቦኡውን ምሉእ ህይወቱ “ስለ ምንታይ ኢኻ ኸምዙይ እትገብር?” ኢሉ ነቒፍዎ ኣይፈልጥን ነበረ። ሽዑ “ኣነ ኽነግስ እየ” ብምባል ተልዓለ፤ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ቀቅድሚኡ ዝጐዩ ሓምሳ ሰብኡትን ከዓ ኣዳለወ።
ገሊኣቶም ብሰረገላታት፥ ገሊኣቶምውን በፍራስ ይምክሑ፤ ንሕና ግና ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ልዕል ልዕል ክንብል ኢና።
ትዕቢት እንተ መፂኣ ውርደት ትመፅእ፤ ኣብ ትሑታን ግና ጥበብ ትርከብ።
ንጥፍኣት ትዕቢት፥ ንውድቀት ከዓ ዅርዓት ትቕድማ።
ባእሲ ዝፈቱ ኽርክር ይፈቱ፤ ደገኡ ዘንውሕ ከዓ ውድቀት ይምነ።
እቲ ንጉስ ኣፍራስ ኣየብዝሕ፤ ኣፍራስ ምእንቲ ኸብዝሕ ኢሉ ኸዓ፥ ናብ ግብፂ ሰብ ኣይልኣኽ። እግዚኣብሄር ‘ድሕሪ ደጊም ነዛ መንገዲ እዚኣ ኣይትመለስዋ’ ኢሉኩም እዩ።
ከምዙይ ከዓ በሎም፦ “እቲ ኣብ ልዕሌኹም ዝነግስ ንጉስ ከምዙይ ክገብረኩም እዩ፦ ነወዳትኩም ወሲዱ ሰብ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ክገብሮም እዩ፤ ንሳቶም ከዓ ቐቅድሚ ሰረገላኡ ኽጐዩ እዮም።