3 ናብ ንጉስ ኣቲኺ ኸዓ ኸምዙይ ኢልኪ ተዛረብዮ” በላ፤ ኢዮኣብውን ነቲ ቓሉ ኣብ ኣፋ ገበረ።
እቲ ንጉስ ድማ “ኣብዝ ዅሉ እትብልዮ ዘለኽስ ኢድ ኢዮኣብዶ ኣለዎ እዩ?” በላ። እታ ሰበይቲ ኸዓ “ጐይታይ ንጉስ፥ ብህያው ነፍስኻ እምሕል ኣለኹ፤ ካብቲ ዅሉ ንስኻ እትዛረቦ ሓደ እኳ ንየማን ኮነ ንፀጋም ዘብል የለን። እወ፥ ኣገልጋሊኻ ኢዮኣብ እዩ ዝነገረኒ። እዝ ዅሉ ዝበልኩኻውን ንሱ ዝኣዘዘኒ እዩ።
እታ ቴቁሓዊት ሰበይቲ ድማ ናብ ንጉስ ኣትያ፥ ብገፃ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ሰገደትሉ። “ኦ ንጉስ! ርድአኒ” ድማ በለቶ።
ናብቲ ኣብ ቦታ ካሲፍያ ሓለቓ ዝነበረ፥ ናብ ኣዶ ሰደድክዎም። እቲ ነቶም ኣብ ቦታ ቤተ መቕደስ ካሲፍያ ንዝነበሩ ንኣዶን ነሕዋቱን ንናታኒምን፥ ንቤት ኣምላኽና ኣገልገልቲ ምእንቲ ኽሰዱልና ኸዓ፥ ክዛረብዎም ዝግብኦም ቃላት ነጊረ ሰደድክዎም።
ንስኻ ንእኡ ኽትዛረቦ ኢኻ፤ እቲ ቓላት ድማ ኣብ ኣፉ ኣንብር። ኣነ ድማ ምስ ኣፍካን ምስ ኣፉን ክኸውን እየ፤ እቲ እትገብርዎውን ክምህረኩም እየ።
ንሰማያት ክዝርግሕ፥ ንምድሪ ኸዓ ኽምስርት፥ ንፅዮን ድማ ‘ንስኺ ህዝበይ ኢኺ’ ኽብልስ፥ ቃለይ ኣብ ኣፍካ ኣንበርኩ፤ ብፅላል ኢደይውን ከወልኩኻ።”
ኣነስ ምስኣቶም ዘለኒ ኺዳን እዙይ እዩ ይብል እግዚኣብሄር፦ “እቲ ኣባኻ ዘሎ መንፈሰይ፥ እቲ ኣብ ኣፍካ ዘንበርኩዎ ቓለይ፥ ካብ ኣፍካ ወይ ካብ ኣፍ ደቅኻ ወይ ካብ ኣፍ ደቂ ደቅኻ፥ ካብ ሕዚ ጀሚሩ ኽሳዕ ዘለኣለም ኣይፍለን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ሽዑ እግዚኣብሄር ኢዱ ዘርግሐ እሞ ኣፈይ ዳህሰሰኒ፤ “እንሆ፥ ክትዛረቦ ዝግብኣካ ቓል ኣብ ኣፍካ ኣንቢረ እየ።
እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኣፍ በለዓም፥ ቃል ገበረሞ “ናብ ባላቅ ተመሊስካ ኸምዙይ በል” በሎ።
ከማኻ ዝበለ ነቢይ ኻብ ማእኸል ኣሕዋቶም ከተስአሎም እየ፤ ቃለይ ኣብ ኣፉ ኽገብር እየ፤ ኵሉ ዝኣዘዝክዎ ድማ ኽነግሮም እዩ።