1 ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ድማ ልቢ ንጉስ ዳዊት ናብ ኣቤሴሎም ከም ዝዘምበለ ፈለጠ።
ንጉስ ዳዊት ከዓ ብዛዕባ ሞት ኣምኖን ስለ ዝተፀናንዐ፥ ናብ ኣቤሴሎም ክኸይድ ናፈቐ።
ኢዮኣብ ድማ ናብ ቴቁሔ ልኢኹ ኻብኣ ብልሂ ሰበይቲ ወሰደ እሞ “በይዛኺ ኸም ዝሓዘንኪ ኹኒ፤ ክዳን ሓዘንውን ተኸደኒ፤ ዘይቲ ድማ ኣይትለኸዪ፤ ብዝሞተ ሰብ ነዊሕ ዘመን ከም ዝሓዘነት ሰበይቲውን ኩኒ።
ሽዑ ንጉስ የመና ሕንቕንቕ በለ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኣፍ ደገ ዘሎ ደርቢ ደዪቡ ድማ በኸየ። “ወደይ ኣቤሴሎም! ወደይ! ወደይ ኣቤሴሎም! ክንዳኻ ሞይተ እንተ ዝኸውን መን ምሃበኒ? ወደይ ኣቤሴሎም! ወደይ!” ኢሉ በኸየሉ።
እቲ ንጉስ ብዛዕባ ወዱ ኸም ዝሓዘነ፥ እቲ ህዝቢ ሰሚዑ ነበረ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ንዅሉ ህዝቢ እቲ ናይ ዓወት ታሕጓስ ናብ ሓዘን ተለወጠ።
እቲ ንጉስ ከዓ ገፁ ኸደነ፤ ዓው ኢሉ ድማ “ወደይ ኣቤሴሎም! ኣቤሴሎም ወደይ! ወደይ!” ኢሉ በኸየ።
ኣብኡ ድማ ሰለስቲኦም ደቂ ፅሩያ ኢዮኣብን ኣቢሳን ኣሳሄልን ነበሩ። ኣሳሄል ከዓ ኸምታ ኣብ በረኻ ዘላ ሰስሓ ጐያዪ ነበረ።
ኣሓቶም ከዓ ፅሩያን ኣቢግያን ነበራ። ደቂ ፅሩያ ድማ ኣቢሳይን ኢዮኣብን ኣሳሄልን፥ ሰለስተ ነበሩ።
ብዙሓት ሰባት ገፅ ገዛኢ ይደልዩ፤ ፍርዲ ነፍሲ ወከፍ ግና፥ ካብ እግዚኣብሄር እዩ።