6 ኣምኖን ድማ “ሓሚመ” ኢሉ ደቀሰ። ንጉስ ንኣምኖን ክሪኦ ኢሉ ምስ መፀ ኸዓ፥ ኣምኖን ንንጉስ “በይዛኻ፥ ትእማር ሓፍተይ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክልተ ቕጫ ኽትገብረለይ፥ ብኢዳ ድማ ኸተብልዐንስ ስደደለይ” በሎ።
ኣብርሃም ቀልጢፉ ናብቲ ሳራ ዘላቶ ድንኳን ኣትዩ፥ “ቐልጢፍኪ ሰለስተ መስፈሪ ሕሩጭ ኣቘምጢዕኺ ቕጫታት ሰንክቲ” በላ።
ኢዮናዳብ ድማ “ሓሚመ ኢልካ ኣብ ዓራትካ ደቅስ፤ ኣቦኻ ኽሪአካ ኢሉ ምስ መፀ ኸዓ ‘በይዛኻ ሓፍተይ ትእማር እንጀራ ኽትህበኒ ትምፃእ፤ ነቲ ብልዒ ድማ ምእንቲ ኽሪኦስ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ተዳልዎ፤ ባዕላ ኸዓ ተብልዐኒ’ ኢልካ ንገሮ” በሎ።
ሽዑ ድማ ዳዊት “በይዛኺ ናብ ቤት ኣምኖን ሓውኪ ኺዲ እሞ ዝብላዕ ግበርሉ” ኢሉ ናብ ገዛ ትእማር መልእኽተኛታት ለአኸ።
ካልእ ምስላውን ነገሮም፤ “መንግስተ ሰማያት ሰበይቲ ወሲዳ፥ ኵሉ ኽሳዕ ዝበኵዕ፥ ኣብ ሰለስተ መስፈሪ ሕሩጭ ዝለወሰትሉ፥ ማይ ብሒቝ ትመስል።”