4 ንሱ ድማ “ወዲ ንጉስ እንተለኻስ፥ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ኸምዙይ ኴንካ እትዓብር እንታይ ኴንካ ኢኻ? እስኪ ንገረኒ?” በሎ። ኣምኖን ከዓ “ኣነስ ፍቕሪ ትእማር ሓፍቲ ሓወይ ኣቤሴሎም ሒዙኒ ኣሎ” በሎ።
ንኣምኖን ድማ፥ ወዲ ሓዉ ንዳዊት ወዲ ሳምዓ፥ ኢዮናዳብ ዝስሙ ፈታዊ ነበሮ። ኢዮናዳብ የመና ጐራሕ ሰብ ነበረ።
ኢዮናዳብ ድማ “ሓሚመ ኢልካ ኣብ ዓራትካ ደቅስ፤ ኣቦኻ ኽሪአካ ኢሉ ምስ መፀ ኸዓ ‘በይዛኻ ሓፍተይ ትእማር እንጀራ ኽትህበኒ ትምፃእ፤ ነቲ ብልዒ ድማ ምእንቲ ኽሪኦስ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ተዳልዎ፤ ባዕላ ኸዓ ተብልዐኒ’ ኢልካ ንገሮ” በሎ።
ሰበይቱ ኤልዛቤል ድማ ናብኡ መፂኣ “ስለ ምንታይ እዩ መንፈስካ ጕህዩ ዘሎ እንጀራ ዘይትበልዕ?” በለቶ።
ሰበይቱ ኤልዛቤል ድማ “ሕዝስ ንስኻዶ ኣይኮንካን ኣብ እስራኤል ትገዝእ ዘለኻ? ተስእ፤ እንጀራ ብላዕ፤ ልብኻውን ይተሓጐስ፤ ቦታ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቡቴ ኢይዝራኤላዊ ኣነ ኽህበካ እየ” በለቶ።
ሕፍረት ገፆም ይምስክረሎም ኣሎ፤ ንሓጢኣቶም ከም ሰዶም የውርይዎ፤ ኣይሓብእዎንውን፤ ኣብ ርእሶም ጥፍኣት የምፅኡ ኣለዉ እሞ፥ ንነፍሶም ወይለኦም!
ርኽሰት ስለ ዝገበሩዶኸ ኽሓፍሩ እዮም? ፈፂሞም ኣይሓፍሩን፤ ሓፍረት እንታይ ምዃኑ እኳ ኣይፈልጡን። ስለዙይ ምስቶም ዝወድቁ ኽወድቁ፥ ብጊዜ ቕፅዓቶም ከዓ ፃሕ ክብሉ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ሕፍረት ሓፍትኻ ኣይትቕላዕ፤ ጓል ኣቦኻ ወይ ጓል እኖኻ ኣብ ቤት እተወለደት ወይ ኣብ ወፃኢ እተወለደት ሕፍረታ ኣይትቕላዕ።
ዝኾነ ሰብ ንጓል ኣቦኡ ወይ ንጓል እኖኡ ሓፍቱ ዝኾነት እንተ ኣእተወ፥ ሕፍረታ ድማ እንተ ቐልዐ ንሳውን ሕፍረቱ እንተ ቐልዐት፥ እዙይ ነውሪ እዩ እሞ፥ ኣብ ቅድሚ ህዝቦም ይቀተሉ። ንሱ ሕፍረት ቐሊዑ እዩሞ ሓጢኣቱ ኽስከም እዩ።
ተጠንቂቖም ምእንቲ ኽገብሩዎስ፥ ኣእዳዎም ንኽፍኣት የልዕሉ፤ ገዛኢ ጉቦ ይደሊ፤ ፈራዲ ድማ ጉቦ ይቕበል። ዓብዪውን ህርፋን ነፍሱ ይዛረብ፤ ከምኡውን ብሓባር ክፍኣት ይጕንጕን።
“ኣቱም ንኡስ መጓሰ፥ ኣቦኻትኩም መንግስቲ ኽህበኩም ፈትዩ ኣሎ እሞ፥ ኣይትፍርሑ።