2 ትእማር ድንግል ስለ ዝነበረት፥ ኣምኖን ሓደ ነገር ንምግባር ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ጭንቂ ኾይንዎ ነበረ። ብፍቕሪ ሓፍቱ ትእማር የመና ስለ ዝተከዘ ሓመመ።
ንኣቤሴሎም ወዲ ዳዊት፥ ትእማር ዝስማ መልክዐኛ ሓፍቲ ነበረቶ። ኣምኖን ወዲ ዳዊት ከዓ ኣፍቀራ።
ንኣምኖን ድማ፥ ወዲ ሓዉ ንዳዊት ወዲ ሳምዓ፥ ኢዮናዳብ ዝስሙ ፈታዊ ነበሮ። ኢዮናዳብ የመና ጐራሕ ሰብ ነበረ።
ኣክኣብ ከዓ በቲ ናቡቴ ኢይዝራኤላዊ “ርስቲ ኣቦታተይስ ኣይህበካን” ኢሉ ተዛሪብዎ ብዝነበረ ቓል ጕህዩን ተቘጢዑን ናብ ገዛኡ ኣተወ። ኣብ ዓራቱ ተገዲሙ ገፁ ተሸፈነ፤ እንጀራውን ኣይበልዐን።
ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፥ ንፍቱወይ እንተ ረኺብክናኦ፥ ብፍቕሪ ኸም ዝሓመምኩ፥ ክትነግራኦ ኣምሕለክን ኣለኹ።
ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ምጕሃይ፥ ናብ ድሕነት ዘብፅሕ ንስሃ የስዕብ፤ ኣየናስሕን ከዓ እዩ፤ ጓሂ ዓለም ግና፥ ሞት የስዕብ እዩ።