1 ንኣቤሴሎም ወዲ ዳዊት፥ ትእማር ዝስማ መልክዐኛ ሓፍቲ ነበረቶ። ኣምኖን ወዲ ዳዊት ከዓ ኣፍቀራ።
ያእቆብ ድማ ንራሄል ይፈትዋ ስለ ዝነበረ፥ “ምእንቲ እታ ንእሽተይ ጓልካ ራሄል፥ ሸውዓተ ዓመት ከገልግለካ” በሎ።
ያእቆብ ከዓ ምእንቲ ራሄል ሸውዓተ ዓመት ኣገልገለ፤ ንኣኣ ይፈትዋ ስለ ዝነበረ ድማ ኸም ውሑዳት መዓልቲታት ኾይነን ተርአያኦ።
ልቡ ድማ ብፍቕሪ ዲና ጓል ያእቆብ ተማረኸ እሞ ፈተዋ፤ ንልባ ብዘሐጕስ ነገርውን ተዛረባ።
እቶም ደቂ እግዚኣብሄር ድማ ነተን ኣጓላት ደቂ ሰብ፥ መልክዐኛታት ምዃነን ምስ ረአዩ፥ ካብኣተን ዘዝመረፅወን ኣንስቲ ወሰዱ።
ሓደ መዓልቲ ኣጋ ምሸት፥ ዳዊት ካብ ምድቃሱ ተሲኡ ኣብ ሰገነት ቤተ መንግስቱ ይመላለስ ነበረ። ኣብ ሰገነቱ እንተሎ ሓንቲ ሰበይቲ ማይ ክትሕፀብ እንተላ ረአያ፤ እታ ሰበይቲ ኸዓ ትርኢታ የመና ፅቡቕ ነበረ።
ድሕሪዙይ ኣምኖን የመና ፀልኣ፤ እኳ ደኣ ኻብቲ ዘፍቀራ ንላዕሊ የመና ፀልኣ። “ተስኢ፤ ኪዲ” ድማ በላ።
ትእማር ድንግል ስለ ዝነበረት፥ ኣምኖን ሓደ ነገር ንምግባር ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ጭንቂ ኾይንዎ ነበረ። ብፍቕሪ ሓፍቱ ትእማር የመና ስለ ዝተከዘ ሓመመ።
ንኣቤሴሎም ሰለስተ ኣወዳትን ትእማር ዝስማ ሓንቲ ጓልን ተወለዱሉ። ትእማር ትርኢታ የመና ፅብቕቲ ሰበይቲ ነበረት።
ንጉስ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ ጓል ፈርዖን ብዙሓት ጓኖት ኣንስቲ፥ ሞኣባውያን፥ ኣሞናውያን፥ ኤዶማውያን፥ ሲዶናውያን፥ ኬጢያውያን ፈተወ።
ሳልሳይ እቲ ኻብ መዓካ፥ ጓል ተልማይ ንጉስ ጌሹር ዝተወልደ ኣቤሴሎም፥ ራብዓይ እቲ ኻብ ኣጊት ዝተወልደ ኣዶንያስ፥
ትእማር እትበሃል ሓፍቲ ድማ ነበረቶም። ብዘይ እቶም ካብ ኣንስቲ ወሰኑ ዝወለዶም ደቂ ዳዊት እዚኣቶም እዮም።
ፅባቐ ሓሰት እዩ፤ ቁንጅና ድማ ኸንቱ እዩ፤ ንእግዚኣብሄር እትፈርሕ ሰበይቲ ግና፥ ክትነኣድ ይግብኣ።
ንፅባቐኣ ብልብኻ ኣይትመነዮ፤ ቈላሕታኣውን ኣይማርኽካ።