4 “ነቲ ሃብታም ሰብኣይ ጋሻ መፆ። ነቲ ጋሻ ኻብተን ኣባጊዑን ካብተን ኣላሕሙን ወሲዱ ምግቢ ኸየዳልወሉ ነፈገ። ግና ነታ ናይቲ ድኻ በጊዕ ወሲዱ ነቲ ዝመፆ ጋሻ ሓሪዱ ኣዳለወሉ” በሎ።
እቲ ድኻ ግና ብዘይ እታ ዝዓደጋ ሓንቲ ንእሽተይ በጊዕ፥ ካልእ ኣይነበሮን። ንሱ ኣዕበያ፤ ኣብ ገዛኡውን ምስ ደቁ ብሓደ ዓበየት፤ ካብ ቍራሱ ትበልዕ፤ ካብ ዋንጫኡውን ትሰቲ፤ ኣብ ሕቝፉውን ትድቅስ ነበረት። ንእኡ ኸም ጓሉ ነበረት።
ሽዑ ዳዊት የመና ተቘጥዐ፤ ንናታን ከዓ “ብህያው እግዚኣብሄር! እቲ እዙይ ዝገበረ ሰብ ወዲ ሞት እዩ።
ነፍሲ ወከፍ ግና፥ ብትምኒቱ ተስሒቡን ተታሊሉን እዩ ዝፍተን።
ዓይኑ ቘላሕ እንተበለ ኸዓ ነቲ ሓላፊ መንገዲ ሰብኣይ ኣብ ኣደባባይ እታ ኸተማ ተቐሚጡ ረአዮ። እቲ ሽማግለ ሰብኣይ ከዓ፥ “ናበይ እትኸይድ ኢኻ? ኻበይከ መፂእኻ?” በሎ።