3 እቲ ድኻ ግና ብዘይ እታ ዝዓደጋ ሓንቲ ንእሽተይ በጊዕ፥ ካልእ ኣይነበሮን። ንሱ ኣዕበያ፤ ኣብ ገዛኡውን ምስ ደቁ ብሓደ ዓበየት፤ ካብ ቍራሱ ትበልዕ፤ ካብ ዋንጫኡውን ትሰቲ፤ ኣብ ሕቝፉውን ትድቅስ ነበረት። ንእኡ ኸም ጓሉ ነበረት።
ዳዊት ድማ ልኢኹ ብዛዕባ እታ ሰበይቲ ጠየቐ፤ እቲ ልኡኽ ከዓ “እዚኣስ ቤርሳቤህ ጓል ኤልያብ፥ ሰበይቲ እቲ ኬጢያዊ ኦርዮዶ ኣይኮነትን?” በሎ።
እቲ ሃብታም እምብዛ ብዙሓት ኣባጊዕን ከፍትን ነበራኦ።
“ነቲ ሃብታም ሰብኣይ ጋሻ መፆ። ነቲ ጋሻ ኻብተን ኣባጊዑን ካብተን ኣላሕሙን ወሲዱ ምግቢ ኸየዳልወሉ ነፈገ። ግና ነታ ናይቲ ድኻ በጊዕ ወሲዱ ነቲ ዝመፆ ጋሻ ሓሪዱ ኣዳለወሉ” በሎ።
ንብፃይካ ኣይትእመኖ፥ ብዓርክኻ ድማ ኣይትተኣመን፤ ካብ ኣብ ሕቍፍኻ እትድቅስ ናይ ኣፍካ ደገ ሓሉ።
“ሓውካ ወዲ እኖኻ፥ ወድኻ፥ ወይ ጓልካ ወይ እትፈትዋ ሰበይትኻ ወይ እተፍቅሮ ዓርክኻ፥ ‘ንኺድ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ነምልኽ’ ኢሉ ብሕቡእ እንተ ሓበለካ፥ ንስኻ ኾነ ኣቦታትካ ዘይትፈልጥዎም፥