11 “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ‘እንሆ፥ ካብ ገዛኻ ክፉእ ከተስአልካ እየ። ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ነንስትኻ ወሲደ ንብፃይካ ኽህበን እየ። ንሱ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እዛ ፀሓይ እዚኣ ምስተን ኣንስትኻ ኽድቅስ እዩ።
ኣቤሴሎም ግና ናብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል፥ ሰባት ብምስጢር ልኢኹ “ድምፂ መለኸት ምስ ሰማዕኹም ‘ኣቤሴሎም ኣብ ኬብሮን ነጊሱ’ በሉ” በሎም።
ሽዑ ዳዊት ነቶም ምስኡ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ዅሎም ሹመኛታቱ “ተስኡ ንህደም፥ ካብ ቅድሚ ኣቤሴሎም መውፅኢ የብልናን እሞ፥ ቀልጢፉ ሓደጋ ኸየውድቐልና፥ ክፉእ ድማ ኸየብፅሐልና፥ ነዛ ኸተማውን ብስሕለት ሰይፊ ኸይወቕዓስ፥ ቀልጥፉ ንኺድ” በሎም።
ኣቤሴሎም ናብ ንጉስ ክፍረድ ኢሉ ንዝመፀ ዅሉ እስራኤል ከምዙይ እናበለ ይቕበሎ ነበረ። ከምዙይ እናገበረ ኸዓ ልቢ ሰብ እስራኤል ሰረቐ።
ዳዊት ድማ ንኣቢሳን ንዅሎም ሹመኛታትን፥ “እንሆ፥ እቲ ኻብ ሕቘይ ዝወፀ ወደይ እኳ ኽቐትለኒ እናደለየስ እዝ ብንያማዊ ግዳ ከመይ ዝገደደ ዘይገብር! ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣዚዝዎ እዩ እሞ፥ ይርገም ሕደግዎ።
ሰበይተይ ንኻልእ ሰብ ትጥሓን፤ ካልኦት ሰባትውን ምስኣ ይደቅሱ።
“ቤት እስራኤል፥ ህዝበይ ክኾኑ፥ ኣነውን ኣምላኾም ክኽውን እምበር፥ ድሕሪ ሕዚ ኻባይ ከይዝምብሉ፥ ሕጊ ብምፍራሶም ከዓ ኸይረኽሱስ፥ እቲ ነቢይ እኳ ተጋግዩ ቓል እንተ ተዛረበ፥ ነቲ ነቢይ እቱይ፥ ኣነ እግዚኣብሄር እየ ዘታለልኩዎ፤ ኢደይ ናብኡ ኽዝርግሕ እየ እሞ፥ ካብ ማእኸል ህዝበይ እስራኤል ከጥፍኦ እየ፤ በደሎም ድማ ኽፆሩ እዮም፤ በደል እቲ ነቢይ ማዕረ፥ በደል እቲ ጠያቒኡ ክኸውን እዩ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ልቡ ምእንቲ ኸይስሕት ኣንስቲ ንባዕሉ ኣየብዝሕ። ወርቅን ብሩርን ከዓ እምብዛ ኣይኣክብ።
“ሰበይቲ ኽትሕፀዩ ኢኹም፤ ግና ኻልእ ምስኣ ኽድቅስ እዩ፤ ቤት ክትሰርሑ ኢኹም፤ ግና ኣብኡ ኣይትነብሩን ኢኹም። ወይኒ እውን ክትተኽሉ ኢኹም፤ ግና ኻብኡ ፍረ ኣይትእክቡን ኢኹም።