9 ኦርዮ ግና ምስ ኵሎም ኣገልገልቲ ጐይታኡ ኣብ ኣፍ ደገ ቤተ መንግስቲ ደቀሰ እምበር ናብ ቤቱ ኣይወረደን።
ንዳዊት “ኦርዮ ናብ ቤቱ ኣይወረደን” ኢሎም ምስ ነገርዎ ድማ፥ ዳዊት ንኦርዮ “ንስኻ ኻብ በረኻ መፂእኻ እንተለኻስ ስለ ምንታይ ናብ ገዛኻ ዘይኸድካ?” በሎ።
ዳዊት ንኦርዮ ፀውዖሞ፥ ኣብ ቅድሚኡ በልዐን ሰተየን፤ ክሳዕ ዝሰክርውን ኣስተዮ። ምስ መሰየ ግና ምስቶም ኣገልገልቲ ጐይታኡ ኣብ መንፀፉ ደቀሰ፤ ናብ ገዛኡ ኣይወረደን።
ንጉስ ሮብዓም ድማ ኽንድኡ ዋልታታት ነሃስ ገበረ፤ ኣብ ኢድ ኣሕሉቕ እቶም ንደገ ቤት ንጉስ ዝሕልዉ ተኸተልቲ ኸዓ ኣማዕቘቦም።
እቲ ንጉስ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክኸይድ እንተሎ፥ እቶም ሓለውቲ ይስከሙዎም ነበሩ፤ ብድሕሪኡ ድማ ናብ ውሽጢ ቤት እቶም ሓለውቲ ይመልስዎም ነበሩ።
ንእግዚኣብሄር ምቅዋም ዝኽእል፥ ጥበብ፥ ምስትውዓል ወይ ምኽሪ የለን።