Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




2 ሳሙኤል 11:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 ዳዊት ከዓ ንኦርዮ “እምበኣር ናብ ገዛኻ ውረድ፤ እግርኻውን ተሓፀብ” በሎ። ኦርዮ ድማ ኻብ ቤተ መንግስቲ ወፀ፤ ንጉስ ከዓ ደድሕሪኡ ዝተመረፀ ምግቢ ኣስዓበሉ።

Ver Capítulo Copiar




2 ሳሙኤል 11:8
11 Referencias Cruzadas  

ቁሩብ ማይ ከምፅአልኩም እሞ ኣእጋርኩም ተሓፂብኩም፥ ኣብ ትሕቲ እዛ ኦም ኣዕርፉ።


ሽዑ “ኣቱም ጐይቶተይ፥ በይዛኻትኩም ናብ ገዛይ ናብ ገዛ ባርያኹም ኣግልሱ፤ ኣእጋርኩም ድማ ተሓፀቡ፤ ሕደሩውን፥ ፅባሕ ኣንጊህኹም ተሲእኹም ከዓ መንገድታትኩም ትኸዱ” በሎም። ንሳቶም ግና “ኣይፋልናን፤ ኣብ ኣደባባይ ኢና እንሓድር” ኢሎም መለሱሉ።


እቲ ሰብኣይ ነቶም ሰባት ናብ እንዳ ዮሴፍ ኣእትዩ፥ ኣእጋሮም ክሕፀቡ ማይ ሃቦም፤ ነእዱጎም ድማ ድርቋ ሃበን።


ካብቲ ኣብ ቅድሚ ዮሴፍ ዝነበረ ምግቢ ኸዓ ገግደኦም ኣቕረቡሎም፤ ንብንያም ድማ ሕልፊ ዅሎም ኣሕዋቱ ሓሙሽተ ኢድ ኣቕረቡሉ። ስለዙይውን ሰትዮም ምስኡ ተሓጐሱ።


ንስንሳቶም ከንቱ ነገር ይናገሩ፤ ብጠባሪ ኸንፈርን ብኽልተ ልብን ይዛረቡ።


እግዚኣብሄር ነዙይዶ ኣይምርምሮን ነይሩ? ንሱ ልቢ ዝሰወሮ ይፈልጥ እዩሞ።


ዘረባኡ ኻብ ጠስሚ ለዘበ፤ ኣብ ልቡ ግና ዂናት ኣሎ፤ ቃላቱ ኻብ ዘይቲ ለስለሱ፤ ንሳቶም ግና ኸም ዝተመዘዘ ሰይፊ እዮም።


እቶም ንምኽሮም ካብ እግዚኣብሄር ኣዕሚቖም ዝሓብኡ፥ ተግባሮም ከዓ ብፀልማት ዝገብሩ እሞ “መን ይሪአና? መንከ ይፈልጠና?” ዝብሉ ወይለኦም!


ዘይቕላዕ ክዱን፥ ዘይፍለጥ ሕቡእ የለን።


ሽዑ ናብታ ሰበይቲ ግልፅ ኢሉ፥ ንስምኦን ከምዙይ በሎ፥ “ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ትሪኣዶ ኣለኻ? ናብ ገዛኻ ኣትየ፥ ንስኻ ንእግረይ እኳ ማይ ኣይሃብካንን፤ እዚኣ ግና ብንብዓታ ኣእጋረይ ኣርሓሰት፤ ብፀጕሪ ርእሳውን ሓበሰት።


ኣብ ቅድሚ ዓይኑ፥ ኩሉ ነገር ቅሉዕን ስጡሕን እዩ እምበር፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝሕባእ ፍጡር የለን፤ ንእኡ ኸዓ ኢና መልሲ እንህብ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos