1 ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ንዓመታኡ ኸዓ በቲ ነገስታት ንውግእ ዝወፁሉ ጊዜ፥ ዳዊት ንኢዮኣብ ምስቶም ሹመኛታቱን ምስ ዅሉ እስራኤልን ሰደዶ። ንሃገር ደቂ ኣሞን ኣጥፊኦም ድማ ንረባት ኸበብዋ። ዳዊት ግና ኣብ ኢየሩሳሌም ተሪፉ ነበረ።
እቶም ደቂ ኣሞን ድማ ሶርያውያን ከም ዝሃደሙ ምስ ረአዩ፥ ንሳቶምውን ካብ ቅድሚ ኣቢሳ ሃዲሞም ናብታ ኸተማ ኣተዉ። ሽዑ ኢዮኣብ ምስ ደቂ ኣሞን ምውጋእ ሓዲጉ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ።
ሽዑ እቲ ነቢይ ናብ ንጉስ እስራኤል ቀሪቡ፥ “ንጉስ ሶርያ ነዓመታ ድማ ኽመፀካ እዩ እሞ፥ ኪድ በርትዕ። እንታይ ከም እትገብር ድማ ፍለጥ” በሎ።
በታ ኻልአይቲ ዓመት ድማ ወልደ ኣዴር ንሶርያውያን ኣኽተቶም፤ ምስ እስራኤል ክዋጋእ ከዓ ናብ ኣፌቅ ደየበ።
ዓመት ምስ ሓለፈ በቲ ነገስታት ንውግእ ዝወፁሉ ጊዜ፥ ኢዮኣብ ሰራዊት ውግእ ሒዙ ንሃገር ደቂ ኣሞን ኣጥፍኣ፤ መፂኡ ኸዓ ንራባት ኸበባ። ዳዊት ግና ኣብ ኢየሩሳሌም ተሪፉ ነበረ። ኢዮኣብ ከዓ ንራባት ወቒኡ ኣፍረሳ።
እታ ዓመት ምስ ሓለፈት ድማ፥ ንጉስ ናቡከደነፆር ልኢኹ ንእኡ ምስቲ ኽቡር ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ናብ ባቢሎን ወሰዶ። ንሴዴቅያስ ሓወቦኡ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ኣንገሶ።
ናብታ ፅንዕቲ ኸተማ መን ይወስደኒ? ናብ ኤዶምያስከ መን ይመርሐኒ?
ንምፍታው ጊዜ ኣለዎ፤ ንምፅላእ ጊዜ ኣለዎ። ንውግእ ጊዜ ኣለዎ፤ ንሰላምውን ጊዜ ኣለዎ።
ግና ኣብ ረባት ከተማ ደቂ ኣሞን ድምፂ ውግእ ዘስምዐሉ ጊዜ ይመፅእ ኣሎ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንሳ ኽትዓኑ እያ፤ እተን ኣዋልዳ ብሓዊ ኽቓፀላ እየን። ሽዑ እስራኤል ነቶም ወሪሶምዋ ዝነበሩ ኽትወርሶም እያ።
ኣቲ ሓሴቦን፥ ጋይ ፈሪሳ እያ እሞ፥ ኣእውዪ። ኣትን ኣዋልድ ረባት፥ ከሊ ተዓጠቓ፥ ዋይ ዋይ በላ። ሚልኮም ምስ ካህናቱን ኣሕሉቑን ሓቢሩ ኽማረኽ እዩ እሞ፥ ኣብቲ መካበብያ እናዞርክን ኣልቅሳ።
ሰይፊ ናብ ራባት፥ ናይ ደቂ ኣሞን፥ ናብ ይሁዳ ኸዓ ናብታ ዕርድቲ ኢየሩሳሌም ክመፅእስ መንገዲ ኽትገብር ኢኻ።
ኣብ ልዕሊ ቕፅሪ ራባት ሓዊ ኸንድድ እየ፤ ብመዓልቲ ውግእ ብኣውያት፥ ብመዓልቲ ኣውሎ ንፋስውን ብሁከት ንኣዳራሻታ ህሙኽ ከብሎ እዩ።
ሽዑ እግዚኣብሄር ከምቲ ብጊዜ ዂናት ዝተዋግኦ፥ ንኣህዛብ ክዋግኦም ክወፅእ እዩ።
ካብቶም ዝተረፉ ረፋውያን ዓግ ንጉስ ባሳን በይኑ ተሪፉ ነበረ። ዓራቱ፥ ንውሓቱ ኣርባዕተ ሜትር፥ ስፍሓቱ ኣስታት ክልተ ሜትር ዝኾነ ዓራት ሓፂን ነበረ። ንሱ ኣብ ራባት ናይ ደቂ ኣሞን ኣሎ።
ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኽዋግኡ በብጊዜኡ ይወፁ ነበሩ። በብዝወፁላ ድማ ኻብ ኵሎም ሓሻኽር ሳኦል፥ ዳዊት ብምስትውዓል ይገብር ስለ ዝነበረ፥ ስሙ የመና ገነነ።