7 ዳዊት እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ንኢዮኣብ ነቶም ጀጋኑ ዝኾኑ ሰራዊት ኣትሒዙ ሰደዶ።
ደቂ ኣሞን ድማ ብዳዊት ከም ዝተፀልኡ ምስ ፈለጡ፥ ንደቂ ኣሞን ልኢኾም ካብቶም ኣብ ቤት ሬሖብን ኣብ ሶባን ዝነብሩ ሶርያውያን ዕስራ ሽሕ ኣጋር፥ ካብ ንጉስ መዓካውን ሽሕ ሰባት፥ ካብ ሰብ ጦብ ከዓ ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ዕሱባት ብገንዘብ ቈፀሩ።
ደቂ ኣሞን ከዓ ወፂኦም ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማኣቶም ንውግእ ተሰለፉ። እቶም ሶርያውያን ናይ ሶባን ሬሖብን ሰብ ጦብን መዓካን ድማ ንበይኖም ኣብ ሜዳ ተሰለፉ።