4 ሽዑ ሓኖን ንኣገልገልቲ ዳዊት ወሲዱ፥ ፍርቂ ጭሕሞም ላፅዩ፥ ፈፍርቂ ኽዳውንቶም ከዓ ኽሳዕ ጥቓ ማዕጠቖኦም ቈሪፁ ሰደዶም።
እዙይ ንዳዊት ነገርዎ፤ እቶም ሰባት እምብዛ ሓፊሮም ስለ ዝነበሩ፥ ክራኸብዎም ልኡኻት ሰደደሎም። ንጉስ ከዓ “እቲ ጭሕምኹም ክሳዕ ዝበቍል ኣብ ኢያሪኮ ፅንሑ፤ ምስ በቘለ ኸዓ ትምለሱ” ኢሉ ለኣኸሎም።
ናብ ባይትን ናብ ዲቦንን መስገዲ ዀረብታታት ይድይቡ ኣለዉ፤ ሰብ ሞኣብ ከዓ ንኸተማታቶም ናባን ሜድባን ብሓዘን ይበኽዩለን ኣለዉ፤ ፀጕሪ ርእሶም ተነፅዩ ጭሕሞም ከዓ ተላፅዩ እዩ።
ከምኡውን ንጉስ ኣሶር፥ ንእሱራት ግብፅን ንምሩኻት ኢትዮጵያን ኣጕባዝን ሽማግለታትን ሓፍረቶም ቀሊዑ፥ ጥራሕ ዝባኖምን ጥራሕ እግሮምን ንውርደት ግብፂ ኽወስዶም እዩ።
ካብ ሴኬምን ካብ ሲሎን ካብ ሰማርያን ጭሕሞም ዝላፀዩ፥ ክዳኖም ዝቐደዱ፥ ሰብነቶም ዘቝሰሉ ሰማንያ ሰባት፥ መስዋእቲ እኽልን ዕጣንን ሒዞም፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከቕርቡ መፁ።
ፀጕሪ ርእስኻ ዙርያኡ ኣይተሕፅር፤ ፅሕምኻ እውን ዙርያኡ ኣይትቝረፅ።