2 ዳዊት ድማ፥ ንሓኖን ወዲ ናዖስ “ከምቲ ኣቦኡ ንኣይ ሰናይ ዝገበረለይ፥ ንእኡ ሰናይ ክገብረሉ እየ” ኢሉ ሓሰበ። ብሓሽከሩ ገይሩውን ብዛዕባ ሞት ኣቦኡ ኸፀናንዖ ልኡኻት ሰደደሉ። እቶም ልኡኻት ዳዊት ከዓ ናብ ሃገር ደቂ ኣሞን ኣተዉ።
ዳዊት ናብ ማሃናይም ምስ ኣተወ፥ ኡኤስቢ ወዲ ናዖስ ካብ ራባት ናይ ደቂ ኣሞን፥ ማኪር ወዲ ዓሚኤል ድማ ኻብ ሎዶባር፥ ቤርዜሊ ገለዓዳዊ ኸዓ ኻብ ሮግሊም፥
ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ብድሕሪ ሓደ ወርሒ ናዖስ ንጉስ ኣሞናውያን ደዪቡ ነታ ኣብ ገለዓድ ዘላ ኸተማ ኢያቤስ ከበባ። ኵሎም ሰብ ኢያቤስ ከዓ ንናዖስ “ክንግዝአልካስ ኪዳን እተወልና” በልዎ።