16 ኣድርኣዛር ድማ ልኢኹ ነቶም ኣብ ሰገር ኤፍራጥስ ዝነበሩ ሶርያውያን ኣምፅኦም፤ ናብ ኤላምውን መፁ፤ ሶባክ ሓለቓ ሰራዊቱ ኸዓ ኣብ ቅድሚኣቶም ነበረ። መሪሕዎምውን ናብ ሔላም መፁ።
ሶርያውያን ከዓ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ከም ዝተስዓሩ ምስ ረአዩ፥ ብሓደ ተኣከቡ።
እዙይ ንዳዊት ምስ ነገርዎ ኸዓ፥ ንዅሉ እስራኤል ኣኽተተ፤ ንዮርዳኖስ ተሳጊሩውን፥ ናብ ኤላም ከደ፤ ሶርያውያን ድማ ኣብ ቅድሚ ዳዊት ተሰሊፎም ምስኡ ተዋግኡ።
ኣምላኽ ድማ ኻልእ ንሰሎሞን ዝፃረር ንሬዞን ወዲ ኤልያዳዕ ኣተስአሉ። ንሱ እቲ ኻብ ጐይታኡ ኻብ ኣድርኣዛር ንጉስ ሱባ ዝሃደመ ነበረ።
ዳዊት ድማ ግዝኣቱ ክሳዕ ሩባ ኤፍራጥስ ከስፍሕ ስለ ዝደለየ፥ ንሃዳርዔዘር ንጉስ ሱባ ተዋግኦ፤ ኣብ ሓማት ድማ ሰዓሮ።
ኣብ ደማስቆ ዝነብሩ ሶርያውያን ንሃዳርዔዘር ንጉስ ሱባ ኽረድኡ ኢሎም ምስ መፁ ኸዓ፥ ዳዊት ካብቶም ሶርያውያን ዕስራን ክልተን ሽሕ ሰባት ቀተለ።
ሶርያውያን ከዓ ብእስራኤል ከም ዝተስዓሩ ምስ ረአዩ፥ ልኡኻት ሰዲዶም ካብቶም ኣብ ሰገር ሩባ ዝነበሩ ሶርያውያን ሰራዊት ኣምፅኡ፤ ናይ ሃዳርዔዘር ንጉስ ሱባ ሓለቓ ሰራዊት ሾፋክ ድማ ይመርሖም ነበረ።