13 ኢዮኣብን እቲ ምስኡ ዝነበረ ሰራዊትን ድማ ንሶርያውያን ክዋግእዎም ቀረቡ። ንሳቶም ከዓ ኻብ ቅድሚኣቶም ሃደሙ።
እቶም ናይ ደማስቆ ሶርያውያን ከዓ ንኣድርኣዛር ንጉስ ሶባ ኽሕግዙ ኢሎም ምስ መፁ፥ ዳዊት ካብቶም ሶርያውያን ዕስራን ክልተን ሽሕ ሰብኡት ቀተለ።
ትኪ ኸም ዝበንን፥ ከምኡ ይብነኑ። ሽምዒ፥ ኣብ ቅድሚ ሓዊ ኸም ዝመክኽ፥ ከምኡውን ሓጥኣን ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይጥፍኡ።