12 ኣይዞኻ ፅናዕ፤ ምእንቲ ህዝብናን ምእንቲ ኸተማታት ኣምላኽናን ኢልና ፀኒዕና ንዋጋእ፤ እግዚኣብሄር ድማ ኸም ፍቓዱ ይግበር” በሎ።
ንኣቢሳ ድማ “ሶርያውያን ካባይ እንተ ሓየሉ፥ ንስኻ ርድአኒ፥ ደቂ ኣሞን ካባኻ እንተ ሓየሉ ድማ ኣነ ኽረድአካ እየ።
ብኣይ ሕጉስ እንተ ዘይኮይኑ ግና፥ እኒሀኹ፥ ከም ዝደለዮ ይግበረኒ” በሎ።
ፅናዕ ምእንቲ ህዝብናን ምእንቲ ኸተማታት ኣምላኽናን ኢልና ንዋጋእ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣዮ ይግበር” በሎ።
“ኣይዞኹም ፅንዑን ትብዑን፤ ካብቲ ምስኡ ዘሎስ እዝ ምሳና ዘሎ ይዓቢ እዩ እሞ፥ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሶርን ኣብ ቅድሚ ዅሉ እቲ ምስኡ ዘሎ ጭፍራን ኣይትፍርሑን ኣይትሸበሩን።
ኵነታት እቶም ህዝቢ ምስ ረአኹ ድማ ተሲአ፥ ንዓበይትን ንሹመኛታትን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን “ንኣኣቶም ኣይትፍርሑ፤ ነቲ ዓቢይን ዝፍራሕን ጐይታ ዘክሩ፤ ምእንቲ ህዝብኹምን ኣወዳትኩምን ኣጓላትኩምን ኣንስትኹምን ኣባይትኹምን ተዋግኡ” በልክዎም።
ኵላቶም ሓደ ኾይኖም መፂኦም ድማ ንኢየሩሳሌም ክወግኡን ከሸብሩን ተመሓሓሉ።
“ኪድ እሞ፥ ኣብ ሱሳ ንዘለዉ ዅሎም ኣይሁድ ኣኪብካ ኽሳዕ ሰለስተ መዓልቲ፥ ለይትን መዓልትን እንተይበላዕኹምን እንተይሰተኹምን ምእንታይ ፁሙ፤ ኣነውን ምስ ኣግራደይ ኮይነ ኽፀውም እየ። ሽዑ ሕጊ እኳ ዘይፈቐዶ እንተ ኾነ፥ ናብ ንጉስ ክኣቱ እየ፤ እንተ ሞትኩ እሙት” ኢላ ለኣኸትሉ።
ከምዙይ ድማ በለ፦ “ጥራሐይ እየ ኻብ ማህፀን ወላዲተይ ዝወፃእኹ፤ ጥራሐይ ከዓ ናብ መቓብር ክኣቱ እየ። እግዚኣብሄር ሃበ፤ እግዚኣብሄር ድማ ወሰደ፤ ስም እግዚኣብሄር ዝተባረኸ ይኹን” ኢሉ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ።
እታ ምድሪ እውን ከመይ ምዃና፥ ልምዕቲ ምዃናን ዘይምዃናን፥ ኣእዋም እንተልይዋ፥ ወይ እንተ ዘይብላ፥ ርአዩ፤ ትብዑ፤ ካብ ፍረ እታ ምድሪ ድማ ኣምፅኡ።” እተን መዓልቲታት እቲኣተን ከዓ እቲ ቐዳማይ ፍረ ወይኒ ዝበስለለን ጊዜያት ነበራ።
ንቕሑ፤ ኣብ እምነትኩም ፅንዑ፤ በርትዑ፤ ጠንክሩ፤
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምሳኻትኩም ክኸይድ እዩ፤ ኣይጠልመኩምን፤ ኣይሓድገኩምንውን እዩ። ስለዙይ ፅንዑ፤ ትብዑ፤ ኣይትፍርሑ፤ ብኣኣቶም ኣይትሸበሩ።”
ሙሴ ድማ ንኢያሱ ፀዊዑ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ህዝቢ እስራኤል “ንስኻ ምስ እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ናብታ እግዚኣብሄር ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ኽትኣቱ፥ ንስኻ ድማ ኽተውርሶም ኢኻ እሞ ፅኑዕን ተባዕን ኩን።
ንሳቶም ብእምነት ንመንግስታት ሰዓሩ፤ ብቕንዕና መርሑ፤ እግዚኣብሄር ዘተስፈዎም ረኸቡ፤ ኣፍ ኣናብስ ዓፀዉ፤
ስለዙይ ብትብዓት “እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ፥ ኣይፈርሕን፤ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ?” ንብል።
ንስኻ ደኣ ፅናዕ፥ ትባዕ እምበር፥ ኵሉ ቓልካ ዘይሰምዕን ትእዛዝካ ዘይፍፅምን ሰብ ይቀተል” ኢሎም መለሱሉ።
ፅናዕ፤ ትባዕ፥ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን? ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ኵሉ እትኸዶ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትደንግፅ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን?”
ደቂ እስራኤል ድማ ንእግዚኣብሄር “በይዛኻ በዛ መዓልቲ እዚኣ ደኣ ኣድሕነና እምበር፥ በዲልና ኢና፤ ንስኻ ኸምቲ ዝሐይሽ ኮይኑ ዝተርአየካ ደስ ዝበለካ ግበረና” በልዎ።
እቶም ናይቲ ጭፍራ ሰባት ድማ ንዮናታንን ነቲ ኣፅዋር ዝስከመሉ መንእሰይን “ሓደ ነገር ክነርእየኩምስ ናባና ደይቡ” ኢሎም ፀውዕዎም። ዮናታን ከዓ ነቲ ኣፅዋር ዝስከመሉ መንእሰይ፥ “እግዚኣብሄር ኣብ ኢድ እስራኤል ኣሕሊፉ ሂብዎም እዩ እሞ፥ ደድሕረይ ደይብ” በሎ።
ዮናታን ድማ ነቲ ኣፅዋሩ ዝስከም መንእሰይ “እግዚኣብሄር ብብዙሓት ኮነ ብውሑዳት ገይሩ ኸድሕን ይኽእል እዩ እሞ፥ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ይሕግዘና ይኸውን፥ ንዓናይ፥ ናብ ጭፍራ እዞም ዘይግሩዛት ሰባት ንሳገር” በሎ።
ዳዊት ከዓ ንሳኦል “ብዛዕባዙይ ልቢ ሓደ ሰብ እኳ ኣይሸበር፤ ኣነ ሓሽከርካ ኸይደ ምስ እዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ ክዋጋእ እየ” በሎ።
ሽዑ ሳሙኤል እንተይሓብአ ኵሉ ነገሮ። ኤሊ ድማ “ንሱ እግዚኣብሄር እዩ፤ ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣዮ ይግበር” በለ።
ኣቱም ፍልስጥኤማውያን፥ ከምቲ ንሳቶም ባሮትኩም ዝነበሩ፥ ንስኻትኩም ከዓ ባሮት ዕብራውያን ከይትኾኑስ፥ ፅንዑ፤ ሰብኡት ኩኑ፤ እወ፥ ሰብኡት ኩኑ፤ ተዋግኡ” በሉ።