11 ንኣቢሳ ድማ “ሶርያውያን ካባይ እንተ ሓየሉ፥ ንስኻ ርድአኒ፥ ደቂ ኣሞን ካባኻ እንተ ሓየሉ ድማ ኣነ ኽረድአካ እየ።
ነቶም ዝተረፉ ሰራዊት ከዓ ኣብ ኢድ ኣቢሳ ሓዉ ገይሩ፥ ኣብ ቅድሚ ደቂ ኣሞን ክዋግኡ ኣሰለፎም።
ኣይዞኻ ፅናዕ፤ ምእንቲ ህዝብናን ምእንቲ ኸተማታት ኣምላኽናን ኢልና ፀኒዕና ንዋጋእ፤ እግዚኣብሄር ድማ ኸም ፍቓዱ ይግበር” በሎ።
ስለዙይ ድምፂ መለኸት ምስ ሰማዕኹም ናብቲ ንሕና ዘለናዮ ተኣከቡ፤ ኣምላኽና ምእንታና ኽዋግአልና እዩ” በልኩዎም።
ኣነ ግና፥ እምነትካ ኸይትጠፍእ ምእንታኻ ፀለኹ፤ ንስኻውን ምስ ተመለስካ ነሕዋትካ ኣፀናንዓዮም” በሎ።
ንሕና ብእምነት ዝፀናዕና፥ ነቶም ብእምነት ዘይፀንዑ ኣሕዋትና፥ ክንድግፎም ደኣ እምበር፥ ንባዕልትና ጥራሕ ክነሐጕስ፥ ኣይግብአናን እዩ።
ነፍሲ ወከፍ፥ ናይ ካልእ ፆር ይፁር፤ በዙይ ከዓ ሕጊ ክርስቶስ ክትፍፅሙ ኢኹም።