1 ድሕሪዙይ፥ ንጉስ ደቂ ኣሞን ሞተ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ሓኖን ነገሰ።
ዳዊት ናብ ማሃናይም ምስ ኣተወ፥ ኡኤስቢ ወዲ ናዖስ ካብ ራባት ናይ ደቂ ኣሞን፥ ማኪር ወዲ ዓሚኤል ድማ ኻብ ሎዶባር፥ ቤርዜሊ ገለዓዳዊ ኸዓ ኻብ ሮግሊም፥
“በዓሊስ ንጉስ ደቂ ኣሞን ንእስማኤል ወዲ ናታንያ፥ ክቐትለካ ኢሉ ኸም ዝሰደዶ ትፈልጥ ዲኻ?” በልዎ። ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ግና ኣይኣመኖምን።