7 ንድሕሪኡ ግልፅ ኢሉ ሪኡኒ ኸዓ ፀውዐኒ። ኣነ ድማ ‘እኒሀኹ’ በልኩ።
እቲ ዝነገሮ መንእሰይ ከዓ “ብኣጋጣሚ ናብ እምባ ጊልቦዓ መፃእኹ፤ እንሆ ድማ፥ ሳኦል ኲናቱ ተመርኲሱ ደው ኢሉ ነበረ፤ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ከዓ ኣርከብዎ።
“ንሱ ኸዓ ‘መን ኢኻ ንስኻ?’ በለኒ። ኣነ ድማ ‘ኣማሌቃዊ እየ’ በልክዎ።
ሜምፊቦስቴ ወዲ ዮናታን፥ ወዲ ሳኦል፥ ናብ ዳዊት መፂኡ፥ ብግንባሩ ተደፊኡ ኢድ ነስአ። ዳዊት ድማ “ሜምፊቦስቴ” በሎ። ንሱ ኸዓ “እኒሀኹ ጐይታይ” በለ።
ሽዑ ናይ እግዚኣብሄር ድምፂ “ንመን ክልእኽ? መንከ ክኸደልና እዩ?” እንትብል ሰማዕኹዎ። ኣነውን “እኒሀኹ ንኣይ ለኣኸኒ” በልኩ።
“ንዘይጠየቑኒ ተገለፅኩ፤ ንዘይደለዩኒውን ተረኸብኩ፤ ብስመይ ንዘይተፀውዐ ህዝቢ ኸዓ ‘ኣለኹልካ፥ ኣለኹልካ’ በልክዎ።
ሽዑ ነቲ ኣፅዋሩ ዝስከመሉ ጐበዝ ቀልጢፉ ፀዊዑ፥ “ሰበይቲ ቐቲላቶ ኸይብሉንስ፥ ሰይፍኻ መዚዝካ ቕተለኒ” በሎ። እቲ ጐበዝ ከዓ ወግኦ እሞ ሞተ።
ሳኦል ድማ፥ “ኣታ ወዲ ኣኪጡብ፥ እስኪ ስምዐኒ” በሎ። ንሱ ኸዓ “እኒሀኹ፥ ጐይታይ” ኢሉ መለሰ።