6 እቲ ዝነገሮ መንእሰይ ከዓ “ብኣጋጣሚ ናብ እምባ ጊልቦዓ መፃእኹ፤ እንሆ ድማ፥ ሳኦል ኲናቱ ተመርኲሱ ደው ኢሉ ነበረ፤ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ከዓ ኣርከብዎ።
ኣቱም እምባታት ጊልቦዓ! ዋልታ ሓያላት ኣብኡ ወዲቑ እዩሞ፥ ዋልታ ሳኦል ብዘይቲ ኸም ዘይተቐብአ፥ ኣባኻትኩም ተደርቢዩ እዩ እሞ፥ ኣውልን ዝናምን ኣይውረድኩም፤ ኣባኻትኩም ከዓ ንመስዋእቲ ዝኸውን እኽሊ ዘፍርዩ ገራሁ ኣይሃልዉኹም።
ሽዑ ዳዊት ነቲ ዝነገሮ መንእሰይ “ሳኦልን ዮናታን ወዱን ከም ዝሞቱ ደኣ ኸመይ ኢልካ ፈሊጥካ?” በሎ።
ንድሕሪኡ ግልፅ ኢሉ ሪኡኒ ኸዓ ፀውዐኒ። ኣነ ድማ ‘እኒሀኹ’ በልኩ።
ሓደ ካህን ድማ፥ በታ መንገዲ እቲኣ ኽወርድ እንተሎ ሪእዎ፥ ዘወር ኢሉ ሓለፈ።
ንሳ ኸይዳ ናብ ግራት ኣትያ፥ ደድሕሪ እቶም ዓፃዶ ኽትቅርም ጀመረት። እቲ ግራት ከዓ ናይቲ ዘመድ ኣቤሜሌክ ዝኾነ ቦኤዝ ነበረ።
ፍልስጥኤማውያን ከቲቶም መፂኦም፥ ኣብ ሱንም ሰፈሩ። ሳኦል ድማ ንዅሉ እስራኤል ኣኽተተ፤ ኣብ ጊልቦዓ ኸዓ ሰፈሩ።
ናበይ ከም ዝኸይድ ድማ ረአይዎ። ናብ ሃገሩ ዝወስድ መንገዲ ሒዙ ናብ ቤት ሳሚስ እንተ ደየበ፥ ሽዑ እዝ ብርቱዕ መቕፃዕቲ እዙይ ዘውረደልና እግዚኣብሄር እዩ፤ እንተ ዘይኮነ ግና፥ እዝ መዓት እዙይ ባዕሉ ዝኾነ እምበር፥ ዝወቕዐና ናቱ ኢድ ከም ዘይኮነ ኽንፈልጥ ኢና።”