3 ዳዊት ከዓ “ካበይ መፂእኻ?” በሎ። ንሱ ድማ “ኻብ ሰፈር እስራኤል ሃዲመ ዘምለጥኩ እየ” በሎ።
ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ፥ እንሆ፥ ካብቲ ሳኦል ምስ ሓሻኽሩ ሰፊርዎ ዝነበረ ቦታ፥ ሓደ ሰብኣይ ክዳኑ ብሓዘን ቀዲዱ ሓመድውን ኣብ ርእሱ ነስኒሱ ናብ ዳዊት መፀ፤ ናብ ምድሪ ተደፊኡውን ሰገደ።
ዳዊት ድማ “እቲ ኹነታት ከመይ እዩ? በይዛኻ ንገረኒ” በሎ። ንሱ ኸዓ “እቲ ሰራዊት ካብቲ ውግእ ሃዲሙ፥ ካብቲ ህዝቢ ድማ ብዙሓት ተወጊኦም ሞይቶም፤ ሳኦልን ዮናታን ወዱንውን ሞይቶም” በሎ።
ንሱ ኸዓ ኣትዩ ኣብ ቅድሚ ኤልሳዕ ደው በለ። ኤልሳዕ ድማ “ግያዝ፥ ካበይ መፂእኻ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “ሓሽከርካ ናብ ዝኸድክዎ የብለይን” በሎ።
ዳዊት ነቲ ግብፃዊ “ንስኻ ናይ መን ኢኻ? ኻበይከ መፂእኻ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “ኣነ ግብፃዊ፥ ሓሽከር ሓደ ኣማሌቃዊ ሰብኣይ እየ። ሓሚመ ስለ ዝነበርኩ ቕድሚ ሰለስተ መዓልቲ ጐይታይ ሓዲጉኒ ኸይዱ።