Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




2 ሳሙኤል 1:23 - መፅሓፍ ቅዱስ

23 ሳኦልን ዮናታንን ዝፋተዉን ዝተሓባበሩን ነበሩ፤ ኣብ ህይወቶምን፥ ኣብ ሞቶምን ኣይተፈላለዩን፤ ካብ ንስሪ ዝቕልጥፉ፥ ካብ ኣንበሳ ዝሕይሉ ነበሩ።

Ver Capítulo Copiar




2 ሳሙኤል 1:23
14 Referencias Cruzadas  

ኣትን ኣዋልድ እስራኤል! ነቲ ዘሐጕስ ቀይሕ ግምጃ ዘልብሰክን ዝነበረ፥ ክዳውንትኽንውን ብወርቂ ዘቦ ንዝሸለመ ንሳኦል ብኸያሉ።


ኣብኡ ድማ ሰለስቲኦም ደቂ ፅሩያ ኢዮኣብን ኣቢሳን ኣሳሄልን ነበሩ። ኣሳሄል ከዓ ኸምታ ኣብ በረኻ ዘላ ሰስሓ ጐያዪ ነበረ።


በናያስ ወዲ ዮዳሄ ኸዓ፥ ወዲ ሓደ ጅግና ሰብኣይ በዓል ቀብፅኤል፥ ዓብዪ ስራሕ ዝሰርሐ ነበረ፤ ንሱ ነቶም ክልተ ጀጋኑ ደቂ ኣሪኤል ሰብ ሞኣብ ቀተሎም፤ በረድ ኣብ ዝኾነሉ መዓልቲ እውን ናብ ውሽጢ ጕድጓድ ወሪዱ ኣንበሳ ቐተለ።


ሓድሓደ ኻብ ነገድ ጋድ ከዓ ኸዲዖም ናብ ዳዊት ናብቲ እምባ ኣብ በረኻ ዘሎ ምሽግ መፁ፤ ንሳቶም ሓያላት ጀጋኑ፥ ንውግእ ዕሉማት፥ ዋልታን ኲናትን ዝተዓጥቁ ሰባት ነበሩ። ገፆም ድማ ኸም ገፅ ኣናብስ ዘፍርሕ ነበረ፤ ከም ሰስሓውን ኣብ እምባታት ቅልጡፋት ነበሩ።


ንሳተን ከም ቅልጥፍቲ ጃልባ ሸምበቆ፥ ዝበልዖ ኽምንጥል ከም ዝውንጨፍ ንስሪ ይሓልፋ።


ደቦል ኣንበሳ ኻብ ኵሉ እንስሳ ዝበርትዐ፥ ዘይምለስ፥ ንእንስሳውን ዘይፈርሕ፥


ኣፉ የመና ጥዑም እዩ፤ ኵለንትናኡ ኸዓ ፍትዊ እዩ፤ ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፥ ፍቱወይ እዙይ እዩ፤ እወ፥ ፈታዊየይስ እዙይ እዩ።


እንሆ ኸም ደመና ኾይኑ ይወፅእ ኣሎ፤ ሰረገላታቱ ኸም ኣውሎ ንፋስ እዮም፤ ኣፍራሱ ኻብ ንስሪ ይቕልጥፉ። ጠፊእና ኢና እሞ ወይለና!


ቆፍ። ሰጐጕትና ኻብ ንስሪ ሰማይ ይቕልጥፉ፤ ኣብ እምባታት ሃደኑና፤ ኣብ ምድረ በዳ ድማ ኣድበዩልና።


“ቋንቋኣቶም ዘይትሰምዕዎም ህዝቢ፥ ከም ንስሪ ዝነፍሩ ህዝቢ፥ እግዚኣብሄር ካብ ርሑቕ፥ ካብ ወሰን ምድሪ፥ ናባኻትኩም ከምፅእ እዩ።


እቶም ደቂ እታ ኸተማ ኸዓ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ፀሓይ እንተይዓረበት፥ “ካብ መዓር ዝጥዕምስ እንታይ ኣሎ? ካብ ኣንበሳ ዝሕይልከ መን ኣሎ?” ኢሎም መለሱሉ። ሶምሶን ድማ፦ “ብኣርሐይ እንተ ዘይትሓርሱስ፥ ነዝ ሕንቅሕንቅሊተይ ኣይምፈለጥኩምዎን ኔርኩም” በሎም።


ዳዊት ምስ ሳኦል ዘረባኡ ወድአ፤ ብድሕሪዙይ ዮናታን ብፍቕሪ ዳዊት ተኣሰረ። ከም ነፍሱ ገይሩውን ኣፍቀሮ።


ዮናታን ድማ “እዙይስ ካባኻ የርሕቆ፤ ኣይትመውትን ኢኻ። ኣቦይ ዓብዪ ነገር ኮነ ንእሽተይ ነገር ንኣይ እንተይነገረ ዝገብሮ የብሉን። እዙይ ዘይኸውን እዩ። ነዙይ ኣቦይ ካባይ ኣይምሓብኦን” በሎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos