15 ሽዑ ዳዊት ንሓደ ኻብቶም ኣጓብዙ ፀዊዑ፥ ናብኡ ቕረብሞ ውደቖ በሎ፤ ንሱውን ወቕዖሞ ሞተ።
ስለዙይ ንጉስ ሰሎሞን ንበናያስ ወዲ ዮዳሄ ሰደዶ፤ ንሱ ድማ ንኣዶንያስ ወቕዖ፤ ሞተውን።
ሽዑ በናያስ ወዲ ዮዳሄ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ደዪቡ ወቒዑ ቐተሎ። ኣብታ ኣብ ሜዳ ዘላ መሬቱ ኸዓ ተቐበረ።
ንጉስ ድማ ንበናያስ ወዲ ዮዳሄ ኣዘዞ፤ ንሱ ድማ ወፂኡ ንሳሚ ቐተሎ፤ ሞተውን። እታ መንግስቲ ድማ ኣብ ኢድ ሰሎሞን ፀንዐት።
ነቲ ዝመኸርዎ፥ ኣእዳዎም ከይፍፅሞ፥ ንሓሳብ ተንኰለኛታት ከንቱ ይገብሮ።
ናይ ሓጥእ ሰብ ሞያ ረብሓ የብሉን፤ ፅድቂ ዝዘርእ ግና ረብሓ ኣለዎ።
ንዮቴር በዅሪ ወዱ “ተሲእኻ ቕተሎም” በሎ። እቲ ወዱ ግና ንእሽተይ ነበረ እሞ፥ ስለ ዝፈርሐ ሰይፊ ኣይመዘዘን።