13 ዳዊት ድማ ነቲ ዝነገሮ መንእሰይ፥ “ኣታ፥ ካበይ ኢኻ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ኸዓ “ኣነ ወዲ ሓደ ስደተኛ ኣማሌቃዊ እየ” ኢሉ መለሰ።
ተመሊሶም ድማ ናብታ ዓይንሚስፓጥ እትበሃል ቃዴስ መፁ፤ ንዅላ ምድሪ ኣማሌቃውያንን፥ ነቶም ኣብ ሓሴቦን ታማር ዝነበሩ ኣሞራውያንን ከዓ ሰዓርዎም።
“ንሱ ኸዓ ‘መን ኢኻ ንስኻ?’ በለኒ። ኣነ ድማ ‘ኣማሌቃዊ እየ’ በልክዎ።
ዳዊት ነቲ ግብፃዊ “ንስኻ ናይ መን ኢኻ? ኻበይከ መፂእኻ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “ኣነ ግብፃዊ፥ ሓሽከር ሓደ ኣማሌቃዊ ሰብኣይ እየ። ሓሚመ ስለ ዝነበርኩ ቕድሚ ሰለስተ መዓልቲ ጐይታይ ሓዲጉኒ ኸይዱ።