11 ሽዑ ዳዊት ብሓዘን ክዳውንቱ ቐደደ፤ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ሰባትውን ከምኡ ገበሩ።
ሮቤል ናብቲ ጕድጓድ ተመለሰ፤ እንሆ ኸዓ፥ ዮሴፍ ኣብቲ ጕድጓድ ኣይነበረን። ሽዑ ብጓሂ ኽዳኑ ቐደደ።
ያእቆብ ድማ ብጓሂ ኽዳኑ ቐዲዱ፥ ኣብ ሕቘኡ ወጮ ተዓጠቐ፤ ብዛዕባ ወዱ ብዙሕ መዓልቲ በኸየ።
ሽዑ ደንጊፆም ክዳውንቶም ቀደዱ፤ ኣእዱጎም ፅዒኖም ከዓ ናብ ከተማ ተመለሱ።
ትእማር ድማ ሓሙዅሽቲ ኣብ ርእሳ ነስነሰት፤ ነቲ ተኸዲናቶ ዝነበረት ብዙሕ ሕብሪ ዘለዎ ቐሚሽ ከዓ ቐደደቶ፤ ኢዳ ኣብ ርእሳ ገይራ ድማ እናእወየት ከደት።
ሽዑ ንጉስ ተሲኡ ኽዳኑ ቐደደ፤ ኣብ ምድሪ ድማ ወደቐ። ኵሎም ኣገልገልቱውን ክዳውንቶም ቀዲዶም ምስኡ ደው በሉ።
ዳዊት ድማ ንኢዮኣብን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን “ክዳውንትኹም ቅደዱ፤ ወጮ ተኸደኑ፤ ንኣበኔር ከዓ ብኸዩሉ” በሎም። ንጉስ ዳዊት ድማ ደድሕሪ እቲ ቓሬዛ ይኸይድ ነበረ።
እቲ ንጉስ እስራኤል ነታ መልእኽቲ ምስ ኣንበባ፥ ክዳውንቱ ቐዲዱ “ነዚ ሰብኣይ እዙይ ካብ ለምፁ ኸሕውዮ ኢሉ ዝሰደደለይ፥ ዝቐትልን ዘሕውንስ፥ ኣነዶ ኣምላኽ እየ? ንሱ ምኽንያት ባእሲ ይደልየለይ ከም ዘሎዶ፥ ትሪኡ ኣለኹም” በለ።
ስለ ዝተነሳህካን ኣብ ቅድመይ ድማ ርእስኻ ስለ ዘዋረድካን፥ ንኢየሩሳሌምን ነቶም ኣብኣ ዝነብሩን ክቐፅዖም እየ ዝብል ፍርደይ ምስ ሰማዕኻ፥ ኣብ ቅድመይ ርእስኻ ስለ ዘዋረድካን ክዳውንትኻ ስለ ዝቐደድካን ኣብ ቅድመይ ከዓ ስለ ዝበኸኻን ሰሚዐካ ኣለኹ።
ነዝ ነገር እዙይ ምስ ሰማዕኹ ድማ፥ ክዳነይን ባርኖሰይን ቀደድኩ፤ ፀጒሪ ርእሰይን ጭሕመይንውን ነፀኹ፤ ሓዚነ ድማ ኮፍ በልኩ።
መርዶክዮስ ከዓ እቲ ዝተገብረ ዅሉ ነገር ምስ ፈለጠ፥ ብሓዘን ክዳኑ ቐዲዱ ወጮ ተኸደነ፤ ኣብ ርእሱውን ሓሙዅሽቲ ነስነሰ፤ ናብ ማእኸል እታ ኸተማ ወፂኡ ድማ፥ ብርቱዕን መሪርን ኣውያት ኣእወየ።
እቶም ነቲ ቓላት ዝሰምዑ ንጉስ ኮነ ባሮቱ ግና ኣይደንገፁን፥ ብሓዘን እውን ክዳውንቶም ኣይቀደዱን።
ንሱ ለዋህን፥ ርሕሩህን፥ ንቝጥዓ ደንጓዪ፥ ምሕረቱ ዝበዝሐ፥ ክፉእ ነገር ካብ ምምፃእ ዝናሳሕ እዩሞ፥ ክዳንኩም ዘይኮነስ ልብኹም ደኣ ቕደዱ፤ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ተመለሱ።
እንተ ኾነ እቶም ሃዋርያት በርናባስን ጳውሎስን፥ እዙይ ምስ ሰምዑ ሓዚኖም ክዳውንቶም ቀደዱ፤ እናእወዩ ድማ ናብቶም ህዝቢ ኣቢሎም ጐየዩ፤
ምስቶም ዝሕጐሱ ተሓጐሱ፤ ምስቶም ዝበኽዩ ብኸዩ።
ኢያሱውን ክዳኑ ቐደደ፤ ንሱን ዓበይቲ እስራኤልን ድማ፥ ኣብ ኣራእሶም ሓመድ ነስኒሶም፥ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ብገፆም ናብ ምድሪ ተደፍኡ፤ ክሳዕ ምሸትውን ፀንሑ።