10 “ኣነ ኸዓ፥ ምስ ወደቐ ኸም ዘይድሕን ፈሊጠ፥ ኣብ ልዕሊኡ ደው ኢለ ቐተልክዎ። እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ ዘውድን ኣብ ቅልፅሙ ዝነበረ ቢታን ድማ ወሰድኩ፤ እንሆ ኸዓ ናባኻ ናብ ጐይታይ ኣምፃእኽዎ” በሎ።
“ ‘ነቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ ኣነ ቐቲለዮ’ ኢልካ ባዕልኻ ስለ ዝመስከርካ፥ ደምካ ኣብ ርእስኻ እዩ” ድማ በሎ።
“ንሱ ኸዓ፥ ‘ትንፋሰይ እኳ እንተ ዘይወፀት ኣብ ኣፍ ሞት እየ ዘለኹ እሞ፥ በይዛኻ ነዓ ቕተለኒ’ በለኒ።
ንዘውዲ ንጉሶም ከዓ ኻብ ርእሱ ወሰዶ፤ ሚዛኑ ድማ ሰላሳን ሓሙሽተን ኪሎ ግራም ወርቂ ነበረ፤ ክቡር ኣዕናቝውን ነበሮ፤ ዳዊት ድማ ኣብ ርእሱ ገበሮ። ካብታ ኸተማ ኸዓ የመና ብዙሕ ምርኮ ኣውፅአ።
ሽዑ ኻህን ዮዳሄ ነቲ ወዲ ንጉስ ኣውፂኡ ዘውዲ ደፍአሉ፤ መፅሓፍ ኪዳን ድማ ሃቦ። ቀቢኦምውን ኣንገስዎ፤ እናጣቕዑ ድማ “ንጉስ ሽሕ ዓመት ይንገስ” በሉ።
ኣኽሊል ካብ ርእስና ወደቐ፤ ሓጢኣት ሰሪሕና ኢና እሞ ወይለና።
ኣዶኒቤዜቅ ድማ፦ “ዓባይቶ ኣእዳዎምን ዓባይቶ ኣእጋሮምን ዝተቘርፁ ሰብዓ ነገስታት ኣብ ትሕቲ ማእደይ ርፍራፍ ይላቐሙ ነይሮም እዮም፤ ኣምላኽ ከምቲ ግብረይ ፈደየኒ” በለ። ደቂ ይሁዳ ናብ ኢየሩሳሌም ኣምፅእዎ፤ ኣብኣውን ሞተ።
ሽዑ ነቲ ኣፅዋሩ ዝስከመሉ ጐበዝ ቀልጢፉ ፀዊዑ፥ “ሰበይቲ ቐቲላቶ ኸይብሉንስ፥ ሰይፍኻ መዚዝካ ቕተለኒ” በሎ። እቲ ጐበዝ ከዓ ወግኦ እሞ ሞተ።
ሽዑ እቲ ንጉስ ንዶይቅ “ነዞም ካህናት፥ ንስኻ ቕተሎም” በሎ። እቲ ኤዶማዊ ዶይቅ ድማ ኸይዱ ነቶም ካህናት ቀተሎም። ንሱ በታ መዓልቲ እቲኣ ሰማንያን ሓሙሽተን ብሃሪ ዝተሰርሐ ኤፉድ ዝለበሱ ኻህናት ቀተለ።