9 ጐይታስ፥ ኵላቶም ናብ ንስሃ ኽበፅሑ እምበር፥ ሓደኳ ኽጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝኾነ፥ ምእንታኻትኩም ይዕገስ ኣሎ እምበር፥ ከምቲ ንገሊኣቶም ዝድንጕ ዝመስሎም፥ ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ።
ምሕረቱኸ ንዘለኣለም ንውሉድ ወለዶዶ ተቛሪፁ እዩ? እቲ ዝተናገሮ ቓልከ ተወዲኡ ድዩ?
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ግና መሓርን ርህሩህን ኣምላኽ ኢኻ፤ መዓትካ ዝረሓቐ ምሕረትካን ፅድቅኻን ዝበዝሐ ኢኻ።
እዝ ነገርዙይ እንተ ገበርካ፥ እዙይ ድማ ፍቓድ እግዚኣብሄር እንተ ኾነ፥ ኣይትደክምን ኢኻ። ኵሉ እዝ ህዝቢ እዙይ ድማ ተሓጒሱ ናብ ገዛኡ ኽምለስ እዩ” በሎ።
ሕዚ ድማ ሓጢኣቶም ይቕረ በለሎም፤ እንተ ዘይኮነ ኻብቲ ዝፀሓፍካኒ መፅሓፍካ ደምስሰኒ” በለ።
ሰብ ምስ ፈታዊኡ ኸም ዝዛረብ፥ እግዚኣብሄር ድማ ምስ ሙሴ ገፅ ንገፅ ይዘራረብ ነበረ። ሙሴ ኸዓ ናብቲ ሰፈር ይምለስ ነበረ። እቲ ሓጋዚኡ ኢያሱ ወዲ ነዌ ግና፥ ካብቲ ድንኳን ኣይፍለን ነበረ።
እግዚኣብሄርውን ብቕድሚኡ ሓሊፉ “እግዚኣብሄር፥ እግዚኣብሄር፥ መሓሪ፥ ለጋስ፥ ዓቃል፥ ሕያዋይነቱን ሓቁን ዝበዝሐ፥
ክፉእ ግብሪ ብቕልጡፍ ኣይፍረድን እዩሞ፥ ስለዙይ ልቢ ደቂ ሰብ ክፉእ ንምግባር ዝተረረ እዩ።
እግዚኣብሄር ግና ምእንቲ ኽምሕረኩም ይዕገስ ኣሎ፤ ክርህርሀልኩምውን ክለዓል እዩ። እግዚኣብሄር ናይ ፍትሒ ኣምላኽ እዩሞ፥ ንእኡ ተኣማሚኖም ዝፅበይዎ ብፁኣን እዮም።
ፅድቀይ ኣቕርብ ኣለኹ፤ ንሱ ርሑቕ ኣይኮነን፥ ምድሓነይ ከዓ ኣይድንጕን እዩ፤ ድሕነት ኣብ ፅዮን፥ ክብረይ ድማ ንእስራኤል ክህብ እየ።”
ኣነ ህያው እየ፥ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ሓጥእ ካብ መንገዱ ኽምለስ እሞ፥ ብህይወት ክነብር እምበር፥ ብሞት ሓጥእ ባህ ኣይብለንን እዩ፤ ኣቱም ቤት እስራኤል ስለ ምንታይከ እትሞቱ? ኻብቲ እኩይ መንገድኹም ተመለሱ፤ ተመለሱ፤ በሎም።
ድሕሪ ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ፥ እቲ ንጉስ ኣብ ባቢሎን ኣብ ሰገነት ቤተ መንግስቲ ይመላለስ ነበረ።
እቲ ራእይ ገና ንውሱን ጊዜ እዩ፤ ናብ ፍፃመኡውን ይቕልጥፍ ኣሎ፤ ኣይሕሱን ከዓ እዩ። እንተ ደንጐየውን ብርግፅ ክመፅእ እዩ፤ ኣይድንጕን ድማ እዩ እሞ፥ እንተ ደንጐየ እኳ ተፀበዮ።”
ነቲ ዘመን ፍለጥዎ፤ ካብ ድቃስ እትበራበሩሉ እዋን ሕዚ እዩ፤ ምድሓንና፥ ካብቲ ዝኣመንናሉ ጊዜ፥ ሕዚ የመና ቐሪቡ ኣሎ።
ለይቲ ሓሊፋ፥ መዓልቲ ቐሪባ ኣላ። ስለዙይ ግብሪ ፀልማት ካባና ደርቢና፥ ኣፅዋር ብርሃን ንልበስ።
ወይ ከዓ ብዝሒ ሕያዋይነቱን ትዕግስቱን ዓቕሉንዶ፥ ትንዕቕ ኣለኻ? ሕያዋይነት እግዚኣብሄር፥ ናብ ንስሃ ኽመርሐካ ኸም ዝኽእል፥ ኣይትፈልጥን ዲኻ?
ከምኡ ድማ እግዚኣብሄር ቍጥዓኡ ኸርኢ ሓይሉውን ከፍልጥ እንተ ደልዩ፥ ትዕግስቱ ምስ ኣርኣየ፥ ነቶም ንጥፍኣት ዝተዳለዉ፥ ናይ ጥፍኣት መልእኽተኛታት የምፅእ።
በዝ ምኽንያት እዙይ ድማ እየ፥ ኣነ ምሕረት ዝረኸብኩ፤ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ነቲ ወሰን ዘይብሉ ትዕግስቱ፥ ቅድም ኣባይ ካብ ኵሉ ዝገደድኩ ሓጢኣተኛ ንዝኾንኩ ብምግላፅ፥ ነቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረኽቡ ኢሎም ብእኡ ዝኣምኑ፥ መርኣያ ገበረኒ።
ንሱ፥ ኵሉ ሰብ ክድሕንን፥ ናብ ፍልጠት ሓቂ ኽመፅእን፥ ይፈቱ እዩ እሞ።
“ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ፥ እቲ ዝመፅእ ክመፅእ እዩ፤ ኣይድንጕን ከዓ እዩ፤
እዚኣቶም እቶም ቀደም ብዘመን ኖህ እታ መርከብ ክትስራሕ እንተላ፥ እግዚኣብሄር ብትዕግስቲ እናተፀበዮም እንተሎ፥ ምእዛዝ ዝኣበይዎ እዮም። ኣብታ መርከብ ውሑዳት፥ ማለት ሸሞንተ ነፍሳት ብማይ ደሓና።
በዙይውን፥ እታ ኽብርትን ዓባይን ተስፋ ረኸብና፤ በዛ ተስፋ እዚኣ፥ ኣብ ዓለም ካብ ዘሎ ኽፉእ ትምኒት ዘስዕቦ ጥፍኣት ኣምሊጥኩም፥ ተኻፈልቲ መለኮታዊ ባህርዩ ኾንኩም።
ጐይታና፥ ንኸድሕነኩም ኢሉ ዘርእዮ ዘሎ ትዕግስቲ ሕሰቡ። እቲ ፍቑር ሓውና ጳውሎስውን፥ በቲ ዝተውሃቦ ጥበብ፥ ብዛዕባዙይ እዩ ዝፀሓፈልኩም።
ምእንቲ ኽትንሳሕ ኢለ፥ ጊዜ ሂበያ ነይረ፤ ንሳ ግና፥ ካብቲ ምንዝርናኣ ኽትንሳሕ ኣይደለየትን።