8 ግና ኣቱም ፍቑራተይ፥ ብእግዚኣብሄር ሓንቲ መዓልቲ ኸም ሽሕ ዓመት፥ ሽሕ ዓመትውን ከም ሓንቲ መዓልቲ ምዃና፥ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ ኣይትረስዑ።
ሽሕ ዓመት ኣብ ቅድሜኻ፥ ከም እዛ ትማሊ ዝሓለፈት መዓልትን፥ ከም ምንቃሕ ለይትን እየን።
ኣሕዋተይ፥ ምእንቲ “ፈላጣት ኢና” ኢልኩም ከይትምክሑስ፥ ነዛ ምስጢር እዚኣ ኽትፈልጡ እፈቱ። ንገሊኣቶም እስራኤላውያን ትረት ልቢ ዝበፅሖም፥ ኣህዛብ ናብ ድሕነት ብምልኣት ክሳዕ ዝምለሱ እዩ።
ኣሕዋተይ፥ ንዅላቶም ኣቦታትና ደመና ኸም ዘፅለለሎም፥ ኵላቶምውን ባሕሪ ኸም ዝተሳገሩ፥ ክትፈልጡ እደሊ እየ።
ሕዚ ኸዓ ኣሕዋተይ፥ ብዛዕባ መንፈሳዊ ውህብቶ፥ ክትፈልጡ እደሊ እየ።
ኣቱም ፍቑራተይ፥ እዛ ሕዚ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ ኻልአይቲ መልእኽተይ እያ። ብኽልቲአን፥ እቲ ቐደም ብቕዱሳን ነቢያት ዝተነግረ ቓልን፥ ብሃዋርያት ዝረኸብኩምዎ፥ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ትእዛዝን እናዘኻኸርኩ፥ ቅኑዕ ሓሳባት ክህልወኩም እየ፥ ዝፅዕር ዘለኹ።