5 ሰማያት ካብ ጥንቲ፥ ብቓል እግዚኣብሄር ከም ዝተፈጥሩ፥ ምድሪ እውን ካብ ማይን ብማይን ከም ዝፀንዐት፥ ኮነ ኢሎም ይኽሕዱ።
እግዚኣብሄር “ንማያት ካብ ማያት ዝፈሊ ጠፈር፥ ኣብ መንጎ ማያት ይኹን” በለ፤ ከምኡውን ኮነ።
እግዚኣብሄር ድማ “እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ማያት ናብ ሓደ ቦታ ይተኣከብ፤ እቲ ንቑፅ መሬት ከዓ ይረአ” በለ፤ ከምኡውን ኮነ።
ንምድሪ ኣብ ልዕሊ ማይ ዘፅንዓ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
ንሱ ኣብ ባሕሪ መስሪቱዋ እዩሞ፥ ብወሓዝቲውን ኣፅንዒዋ እዩሞ።
ብቓል እግዚኣብሄር ሰማያት ፀንዑ፤ ኵሉ ሰራዊቶምውን ብእስትንፋስ ኣፉ ፀንዑ።
ጥበብ ንኽገዝእ ኣእምሮ የብሉን እሞ፥ ኣብ ኢድ ሰነፍ መዐደጊ ጥበብ ገንዘብ እንተ ሃለወ ረብሓኡ እንታይ እዩ?
ከምቲ ንሳቶም ንእግዚኣብሄር ክፈልጥዎ ዘይደለዩ፥ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ነውሪ ኽፍፅሙ፥ ንዘየስተውዕል ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሃቦም።
ንሱ ኸዓ፥ ቅድሚ ዅሉ ፍጥረት ዝነበረ እዩ፤ ኵሉ ፀኒዑ ዝቖመውን ብእኡ እዩ።
ኵሉ ዓለማት ብቓል እግዚኣብሄር ከም ዝተፈጥረ፥ እቲ ዝረአ ድማ፥ ካብ ዘይረአ ኸም ዝተፈጥረ፥ ብእምነት ኢና እነስተውዕሎ።