Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




2ይ ጴጥሮስ 3:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 ንሳቶም “ተስፋ ምፅኣቱ ደኣ ኣበይ ኣሎ? ካብታ ኣቦታትና ዝሞቱላ መዓልቲ፥ ካብ መጀመርታ ፍጥረት ጀሚሩ፥ ኵሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ” ይብሉ።

Ver Capítulo Copiar




2ይ ጴጥሮስ 3:4
20 Referencias Cruzadas  

ሎጥ ድማ ወፂኡ ነቶም ነጓላቱ ኽምርዓዉ ዝነበሩ ሕፁያት ደቁ፥ “እግዚኣብሄር ነዛ ኸተማ ኸጥፍኣ እዩ እሞ፥ ተስኡ፤ ካብዛ ቦታ እዚኣ ውፁ” በሎም። እቶም ሕፁያት ኣጓላቱ ግና ናይ ዋዛ መሰሎም።


እቲ ዝኾነ ነገር፥ ንሱ መሊሱ ይኸውን፤ እቲ ቕድም ዝተገብረ ኸዓ ሕዚ መሊሱ ይግበር። ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ሓድሽ ነገር የለን።


ክፉእ ግብሪ ብቕልጡፍ ኣይፍረድን እዩሞ፥ ስለዙይ ልቢ ደቂ ሰብ ክፉእ ንምግባር ዝተረረ እዩ።


ንሳቶም “ቃል እግዚኣብሄር ኣበይ ኣሎ? እስኪ ሕዚ ይምፃእ” ይብሉኒ ኣለዉ።


ንሳቶም ድማ ‘ብሓቂ ኣባይቲ እንሰርሐሉ እዋን ዝቐረበዶ ኣይኮነን? ንሳ ድስቲ እያ፤ ንሕና ኸዓ ስጋ ኢና’ ይብሉ ኣለዉ።


ንእግዚኣብሄር ብቓላትኩም ኣትኪርኩምዎ ኢኹም፤ ንስኻትኩምውን “ከመይ ኢና ዘትከርናዮ?” ትብሉ ኣለኹም። “ኵሉ ኽፉእ ዝገብር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፤ ንሱ ብኣኣቶም ደስ ይብሎ እዩ” ወይ “ናይ ፍርዲ ኣምላኽ ኣበይ ኣሎ?” ብምባልኩም እዩ።


ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣቦኡ፥ ምስ መላእኽቱ ኽመፅእ እዩ፤ ሽዑ ንዅሉ ኸከም ግብሩ ኽፈድዮ እዩ።


ኻብዞም ኣብዙይ ደው ኢሎም ዘለዉ፥ ንወዲ ሰብ ብመንግስቱ ኽመፅእ እንተሎ ኽሳዕ ዝሪእዎ፥ ዘይሞቱ ኸም ዘለዉ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።


ገምቢ ኣብ ዘለዎ፥ ኣሞራታት ኣብኡ እዮም ዝእከቡ።”


እቲ ኽፉእ ኣገልጋሊ ግና ብልቡ ጐይታይ ክድንጕ እዩ ኢሉ፥


ካብ መጀመርታ ፍጥረት ግና፥ እግዚኣብሄር ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ እዩ ዝፈጠሮም።


ካብታ እግዚኣብሄር መጀመርታ ፍጥረት ዝፈጠረላ፥ ክሳዕ ሎሚ ኸምኡ ኾይኑ ዘይፈልጥ፥ ድሕሪ ሕዚ እውን ከቶ ዘይኸውን መከራ፥ በታ እዋን እቲኣ ክኸውን እዩ።


እቲ ኣገልጋሊ ብልቡ ‘ምምፃእ ጐይታይ ገና ኽድንጕ እዩ’ ኢሉ፥ ነቶም ሓሻኽርን ኣግራድን ክገርፍ፥ ክበልዕ፥ ክሰትን ክሰክርን እንተ ጀመረ ግና፥


ተንበርኪኹ ኸዓ ብዓብዪ ድምፂ “ኦ ጐይታ፥ ነዙ ሓጢኣት እዙይ ኣይትቝፀረሎም” በለ። እዙይ ምስ በለውን ዓረፈ።


ተስፋና ወይ ሓጐስና ወይ ከዓ ኣብ ካልኣይ ምፅኣቱ፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታና ኢየሱስ እንምክሐሉ፥ ኣኽሊልና መን ድዩ? ንስኻትኩምዶ ኣይኮንኩምን?


“ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ሎዶቅያውን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ኣሜን፥ እሙንን ሓቀኛን ምስክር፥ ቅድሚ ዅሉ ፍጥረት እግዚኣብሄር ዝነበረ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos