3 ኣብተን ዳሕረዎት መዓልቲታት፥ ብኽፉእ ፍትወት ስጋኦም ዝመላለሱ፥ መላገፅቲ ኸም ዝመፁ፥ ቅድሚ ዅሉ እዙይ ፍለጡ።
“ኣቱም ዓያሹ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ዕሽነት እትፈትዉ? መላገፅቲኸ ክሳዕ መኣዝ እዩ ላግፂ? ሰነፋትከ ኽሳዕ መኣዝ እዮም ፍልጠት ዝፀልኡ?”
መላገፂ ሰብ ንጥበብ ይደልያ እሞ ኣይረኽባን፤ ንለባም ግና ፍልጠት ምርካብ ኣየሸግሮን።
ንሱ ንመላገፅቲ የላግፀሎም፤ ንትሑታት ግና ፀጋ ይህቦም።
ስለዙይ ኣቱም ነዝ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ህዝቢ እተመሓድሩ መላገፅቲ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ።
ጨካናት ድሕሪ ደጊም ኣይህልዉን እዮም፤ እቶም መላገፅቲ ኽጠፍኡ፥ ንኽፍኣት ዘድብዩ ዅሎም ክውገዱ እዮም።
“ብዓይንና ኽንሪኦስ ይቐልጥፍ፤ ንተግባሩውን የቐልጥፎ፤ ምእንቲ ኽንፈልጦ ድማ ምኽሪ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ትቕረብ፤ ትምፃእውን” ንዝብሉ ወይለኦም!
ብመዓልቲ በዓል ንጉስና፥ እቶም መሳፍንቲ ብወይኒ ረሲኖም ሓመሙ፤ ንሱውን ምስቶም መላገፅቲ ኢዱ ዘርግሐ።
ነቲ ነኣይ ዘይደሊ፥ ንቓለይውን ዘይቕበል ዝፈርዶ ኣለዎ፤ እዝ ኣነ ዝዛረቦ ዘለኹ ቓል፥ ንሱ በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኽፈርዶ እዩ።
እኳ ደኣ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ሓቂ ኣብ ሕሊና ነፍሲ ወከፍ ሰብ፥ ብገሃድ ነቕርብ እምበር፥ ብተንኰል ኣይተመላለስናን፤ ንቓል እግዚኣብሄርውን ኣይለወጥናን፤ ነቲ ብሕቡእ ዝግበር ነውራም ነገርውን፥ ካባና ኣርሒቕናዮ ኢና።
ኣብተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ግና፥ ዘጨንቅ ዘመን፥ ከም ዝመፅእ ፍለጥ።
ኣብዘን ዳሕረዎት መዓልቲታት ግና፥ ንኣና በቲ ወራሲ ኵሉ ብዝገበሮ፥ ብእኡውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተናገረና።
ቅድሚ ዅሉ፥ እቲ ኣብ መፅሓፍ ዘሎ ትንቢት፥ ሓደኳ ብናይ ባዕሉ ኣተሓሳስባ፥ ክትርጉሞ ኸም ዘይኽእል ፍለጡ።
ብሕልፊ እኳ፥ ደድሕሪ እቲ ርኹስ ዝኾነ ስጋዊ ፍትወቶም ንዝስዕቡ፥ ንስልጣን እግዚኣብሄርውን ንዝንዕቑ፥ ንፍርዲ ኸፅንሖም እዩ። ደፋራትን ትዕቢተኛታትን ስለ ዝኾኑ፥ ነቶም ናይ ሰማይ ስልጣናት እንትፃረፉ ኣይፈርሑን።
ደቀይ፥ እዚኣ እታ መወዳእታ ሰዓት እያ። ፀረ ክርስቶስ ከም ዝመፅእ ሰሚዕኹም ኣለኹም፤ ድሮውን ብዙሓት ተፃረርቲ ክርስቶስ፥ ተሲኦም ኣለዉ፤ እዚኣ እታ ናይ መወዳእታ ሰዓት ምዃና ኸዓ፥ በዙይ ኢና እንፈልጥ።
እዚኣቶም መዕረምረምቲ፥ ዘይሕጉሳት፥ ከም ክፉእ ትምኒቶም ዝነብሩ እዮም። ኣፎም ቃል ትዕቢት ይዛረብ፤ ምእንቲ ረብሓ ርእሶም ከዓ፥ ገፅ ሰብ ሪኦም ይጥብሩ።
ንሳቶም፥ “ኣብቲ ዳሕረዋይ ዘመን፥ ብኽፉእ ትምኒቶም ዝምርሑ፥ መላገፅቲ ኽትስኡ እዮም።” እናበሉ ነጊሮሙኹም ነበሩ።