Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




2ይ ጴጥሮስ 3:17 - መፅሓፍ ቅዱስ

17 ንስኻትኩም ግና ኣቱም ፍቑራተይ፥ ነዙይ ኣቐዲምኩም ስለ እትፈልጥዎ፥ ብስሕተት እቶም ስዲ ዝኸዱ ዘለዉ ተስሒብኩም፥ ካብቲ ፅኑዕ መሰረትኩም ከይትወድቁ ተጠንቀቑ።

Ver Capítulo Copiar




2ይ ጴጥሮስ 3:17
26 Referencias Cruzadas  

ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዅለን እተን ኣኽናፍ ዘለወን ኣዕዋፍ፥ መፈንጠር ብኸንቱ ኣይፃወድን እዩሞ።


እቲ ‘ካብ ማይ ብሒቝ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ተጠንቀቑ’ ዝበልኩኹምከ ብዛዕባ እንጀራ ኸም ዘይኮነ፥ ንምንታይ ዘይተስተውዕሉ?” በሎም።


ኢየሱስ ድማ “ካብ ማይ ብሒቝ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን፥ ተጠንቀቑ ተዓቀቡውን” በሎም።


“ውሽጣቶም መንጠልቲ ተዃሉ እናሃለዉ፥ ኣባጊዕ መሲሎም ካብ ዝመፁኹም ሓሰውቲ ነቢያት ተጠንቀቑ።


እዝ ነገራት እዙይ ዝነገርኩኹም፥ ጊዜኡ ምስ በፅሐ፥ ኣነ ኸም ዝነገርኩኹም፥ ምእንቲ ኽትዝክርዎ ኢለ እየ፤ ካብ መጀመርታ እዙይ ዘይነገርኩኹም፥ ምሳኻትኩም ስለ ዝነበርኩ እየ።


ንሳቶም ከዓ ትምህርቲ ሃዋርያት ብምክትታልን፥ ሓቢሮም ብምንባርን፥ ብምቝራስ እንጀራን፥ ብፀሎትን ፀኒዖም ነበሩ።


እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይኮነስ፥ ንኸብዶም እዮም ዝግዝኡ። ብነገር ብምትላልን፥ የዋህ ብምምሳልን፥ ንብዙሓት ገርህታት የስሕትዎም እዮም እሞ።


ስለዙይ እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዝመስሎ፥ ከይወድቕ ይጠንቀቕ።


ስለዙይ፥ ፍቑራት ኣሕዋተይ፥ ፃዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኮነ ፈሊጥኩም ኢኹምሞ፥ ፅኑዓት፥ ዘይትነቓነቑ፥ ኵሉ ጊዜ ስራሕ ጐይታ ዝበዝሐልኩም ኩኑ።


ግና ኸምቲ ተመን ብጕርሑ ንሔዋን ዘስሓታ፥ ከምኡ ንስኻትኩምውን ብሓሳብኩም ተታሊልኩም፥ ካብቲ ንክርስቶስ ዘለኩም፥ ቅኑዕን ንፁህን ፍቕሪ፥ ከይትርሕቑ እፈርሕ ኣለኹ።


ኣቱም፥ ሕጊ ብምፍፃም ክትፀድቁ እትደልዩ፥ ካብ ክርስቶስ ተፈሊኹም ኢኹም፤ ካብ ፀጋ ኸዓ ወዲቕኩም ኢኹም።


እምበኣር ብጥበራን ብተንኰልን ብዝመፅእ፥ ናይ ትምህርቲ ንፋስ፥ ከም ህፃናት ንየው ነዘው እናተደፋእና ኣይንውሰድን።


ካብ ኣኽላባት ተጠንቀቑ፤ ካብ ገበርቲ ኽፉእ ተጠንቀቑ፤ ግሩዛት ኢና ኻብ ዝብሉ ተጠንቀቑ።


ኣነ ብስጋ እኳ ምሳኻትኩም እንተ ዘየለኹ፥ ብመንፈስ ምሳኻትኩም እየ፤ ብስርዓት ምንባርኩምን፥ ኣብ ክርስቶስ ዘለኩም ፅኑዕ እምነትን እናረአኹ፥ እሕጐስ ኣለኹ።


ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኮነስ፥ ከም ባህሊ ሰብን፥ ከም ኣተሓሳስባ እዛ ዓለም እዚኣን፥ ከንቱን መታለልን ዝኾነ ፍልስፍና ገይሩ፥ ሓደኳ ኸይማርኸኩም ተጠንቀቑ።


ንሱ ነቲ መልእኽትና ብዙሕ ይፃረሮ እዩ እሞ፥ ንስኻ ድማ ኻብኡ ተጠንቀቕ።


ነታ መጀመርታ እምነትና ኽሳዕ መወዳእታ ኣፅኒዕና እንተ ሒዝናያ፥ መዋርስቲ ክርስቶስ ንኸውን።


ብእምነት ፀኒዕኹም ተቓወምዎ፤ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትኩምውን፥ እዝ መከራ እዙይ ይበፅሖም ከም ዘሎ ትፈልጡ ኢኹም።


ነቲ ብበደሎምን ብርኹስ ተግባሮምን፥ ዘስካሕክሕ ዝነበረ ፃድቕ ሎጥ ግና ኣድሓኖ።


ኣቱም ፍቑራተይ፥ እዛ ሕዚ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ ኻልአይቲ መልእኽተይ እያ። ብኽልቲአን፥ እቲ ቐደም ብቕዱሳን ነቢያት ዝተነግረ ቓልን፥ ብሃዋርያት ዝረኸብኩምዎ፥ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ትእዛዝን እናዘኻኸርኩ፥ ቅኑዕ ሓሳባት ክህልወኩም እየ፥ ዝፅዕር ዘለኹ።


እምበኣርከስ ካበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር፤ ተነሳህ፤ ነቲ ቐዳማይ ግብርኻውን ግበር። እንተ ዘይተነሲህኻ ግና፥ መፂአ ነቲ ቐዋሚ ቐንዲልካ፥ ካብቲ ስፍራኡ ኸወግዶ እየ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos