10 መዓልቲ ጐይታ ግና፥ ከም ሰራቒ ኾይና ኽትመፅእ እያ፤ ሽዑ ሰማያት በዓብዪ ድምፂ፥ ጥዋዕዋዕ እናበሉ ኽሓልፉ እዮም፤ ፍጥረት ሰማይውን፥ ብሓዊ ነዲዱ ኽመክኽ እዩ፤ ምድርን፥ ኵሉ ኣብኣ ዘሎ ነገርን፥ ክነድድ እዩ።
ንሳቶም ክጠፍኡ እዮም፤ ንስኻ ግና ትነብር፤ ኵሎም ከም ክዳን ክበልዩ እዮም፤ ከም መጐናፀፍያ ክትልውጦም ኢኻ፤ ክልወጡውን እዮም።
ኣህዛብ ተናወፁ፤ መንግስታትውን ተመለሱ፤ ንሱ ቃሉ ሃበ፤ ምድሪ እውን ኣንቀጥቀጠት።
እምባታት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ጐይታ ዅሉ ምድሪ እውን ከም ሽምዒ መኸኹ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንዅሉ ዕቡይን ኵሩዕን ንዅሉ ልዕል ዝበለን፥ ዘዋርደሉ መዓልቲ ኣለዎ።
ምድሪ ጥዋዕ ኢላ ተሰባበረት፤ ምድሪ ፈፂማ መኸኸት፤ ምድሪ ፈፂማ ተናወፀት።
ኵሎም ሰራዊት ሰማይ ክጠፍኡ እዮም፤ ሰማያትውን ከም መፅሓፍ ክጥቕለሉ እዮም፤ ከምቲ ቘፅሊ ኻብ ተኽሊ ወይንን፥ ካብ ኦም በለስን ዝረግፍ፥ ኵሎም ሰራዊት ሰማይ ከዓ ኸምኡ ኽረግፉ እዮም።
ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ናብ ሰማያት ቈላሕ ኣብሉ፤ ናብ ታሕቲውን ናብ ምድሪ ጠምቱ፤ እንሆ፥ ሰማያት ከም ትኪ ኽበኑ እዮም፤ ምድሪ ድማ ኸም ክዳን ክትበሊ እያ፤ እቶም ኣብኣ ዝነብሩውን ከምኡ ኽሞቱ እዮም። ምድሓነይ ግና ንዘለኣለም ክነብር እዩ፤ ፅድቀይውን ኣይፈርስን እዩ።”
መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ ኣላሞ፥ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ወዮ! ንሳውን ካብቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ፥ ከም ጥፍኣት ክትመፅእ እያ።
መዓልቲ እግዚኣብሄር ትመፅእ ኣላ፤ ቀሪባ ኸዓ እያ እሞ፥ ኣብ ፅዮን መለኸት ንፍሑ፤ ኣብቲ ቅዱስ እምባይ ድማ ኣእውዩ፤ መዓልቲ እግዚኣብሄር መፂኣ እያሞ፥ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ዅላቶም የንቀጥቅጡ።
እታ ዓባይን መፍርሒትን መዓልቲ እግዚኣብሄር እንተይመፀት፥ ፀሓይ ናብ ፀልማት፥ ወርሒ ድማ ናብ ደም ክትልወጥ እያ።
መዓልቲ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ለሰ ፍርዲ ቀሪባ እያሞ፥ ናይ የመና ብዙሕ ህዝቢ ወኻዕታ፥ ኣብ ለሰ ፍርዲ ኣሎ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ እቲ ሓረስታይ ንዓፃዳይ፥ እቲ ፀማቚ ወይኒ ድማ ነቲ ዘራኢ ዘርክበለን፥ መዓልቲታት ክመፃ እየን። እምባታት ከዓ ዀልዒ ወይኒ ኸንጠብጥቡ እዮም፤ ኵሎም ኰረብታታት ድማ ኽመኩ እዮም።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንምድሪ ይድህስሳ፥ ንሳ ኸዓ ትመክኽ፤ ኵላቶም ኣብኣ ዝነብሩውን ይበኽዩ፤ ብምልእታ ኸም ፈለግ ግብፂ ትለዓል፤ ከም ፈለግ ግብፂውን ትወርድ።
ሽዑ እምባታት ከምቲ ሽምዒ ኣብ ቅድሚ ሓዊ፥ ከምቲ ብፀድፊ ወሪዱ ዝፈስስ ማይ ኣብ ትሕቲኡ ይመኩ፤ ሽንጥሮታት ከዓ ኽጭደዱ እዮም።
እምባታት ኣብ ቅድሚኡ ተናወፁ፤ ኰረብታታት ከዓ መኸኹ፤ ምድርን ዓለምን ኵሎም ኣብኣ ዝነብሩን፥ ኣብ ቅድሚኡ ተናወፁ።
“እንሆ፥ እታ ዓባይን እተፍርሕን መዓልቲ እግዚኣብሄር እንተይመፀት፥ ንነቢይ ኤልያስ ክልእኸልኩም እየ።
ሰማይን ምድርን ይሓልፍ፤ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን።”
ሰማይን ምድርን ክሓልፍ እዩ፤ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን።”
ግና እዙይ ፍለጡ፤ በዓል ቤት፥ ነታ ሰራቒ ዝመፀላ ጊዜ እንተ ዝፈልጣስ፥ ምነቕሐ፤ ገዛኡ ኽኰዓት እንተሎውን ስቕ ኣይምበለን ነይሩ።
እቲ ፍጥረት ንኸንቱ ተገዚኡ ኣሎሞ፥ ብድልየቱ ዘይኮነስ፥ በቲ ብተስፋ ዘግዝኦ እዩ።
ብመዓልቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዘይ ነውሪ ንኽትርከቡ፥ ንሱ ኽሳዕ መወዳእታ ኸፅንዐኩም እዩ።
ነዝ ሰብ እዙይ፥ ንሰይጣን ኣሕሊፍኩም ሃብዎ። እዙይ እትገብሩ፥ ብስጋኡ ተቐፂዑ፥ ብመዓልቲ ጐይታ፥ ነፍሱ ምእንቲ ኽትድሕን እዩ።
ሰራቒ ብለይቲ ኸም ዝመፅእ፥ መዓልቲ ጐይታውን ከምኡ ኸም እትመፅእ፥ ንስኻትኩም ብርግፅ ትፈልጡ ኢኹም እሞ።
ኣሕዋትና፥ ንስኻትኩም ግና፥ ኣብ ፀልማት ስለ ዘይትነብሩ፥ እታ መዓልቲ እቲኣ፥ ከም ሰራቒ ኣይትመፀኩምን እያ።
እዝ ዅሉ ኸምዙይ ኢሉ ዝጠፍእ ካብ ኮነ፥ እንታይ ዝዓይነቶም ሰባት ኢኹም ክትኮኑ ዝግብአኩም? ነታ እግዚኣብሄር ዝመፀላ መዓልቲ፥ እናተፀበኹምን፥ እናቀላጠፍኩምን፥ ብቕዱስ ህይወትን፥ ብፍርሓት እግዚኣብሄርን፥ ክትነብሩ እዩ ዝግብአኩም። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ሰማያት ብሓዊ ኸም ዝመክኽ፥ ፍጥረት ሰማይ ከዓ፥ ብረስኒ ኽመክኽ እዩ።
እቶም ሕዚ ዘለዉ ሰማያትን ምድርን ግና፥ እቶም ንግዚኣብሔር ዘይፈርሑ ሰባት፥ ተፈሪድዎም ክሳዕ ዝጠፍኡ፥ ብቓሉ ተሓልዮም፥ ንሓዊ ተዓቝሮም ኣለዉ።
ነቶም ሰፈሮም ዝሓደጉ፥ መዓርጎም ዘይሓለዉ መላእኽቲ እውን፥ በታ ዓባይ መዓልቲ ምእንቲ ኽፍረዱ፥ ብናይ ዘለኣለም መቝሕ፥ ኣብ ፀልማት ኣሲሩ ኣፅኒሕዎም ኣሎ።
“እንሆ፥ ከም ሰራቒ ኽመፅእ እየ፤ ጥራዩ ምእንቲ ኸይኸይድ፥ ንሓፍረቱውን ሰብ ከይሪኦ፥ እቲ ዝነቅሕን ክዳኑውን ዝሕሉ፥ ብፁእ እዩ።”
ድሕሪዙይ ዓብዪ ፃዕዳ ዙፋንን፥ ነቲ ኣብኡ ዝተቐመጠን ረአኹ፤ ሰማይን ምድርን፥ ካብ ቅድሚኡ ሃደሙ፤ ቦታውን ኣይተረኽበሎምን።
ብድሕሪዙይ፥ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ረአኹ። እቲ ቐዳማይ ሰማይን፥ እታ ቐዳመይቲ ምድርን፥ ሓሊፎም እዮም እሞ፥ ባሕሪ እውን ደጊም ኣይህሉን።
ደጊም ከመይ ከም ዝተቐበልካን፥ ከም ዝሰማዕኻን ዘክር፤ ሓልዎ፤ ተነሳህውን። እንተ ዘይነቒሕኻ ግና፥ ከም ሰራቒ ኽመፀካ እየ፤ በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመፀካውን፥ ኣይትፈልጥን ኢኻ።
ሰማይውን፥ ከም ብራና ተጠቕሊሉ ሓለፈ። ኵሎም እምባታትን ደሴታትን፥ ካብ ሰስፍራኦም ተወገዱ።