Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




2ይ ጴጥሮስ 3:1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1-2 ኣቱም ፍቑራተይ፥ እዛ ሕዚ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ ኻልአይቲ መልእኽተይ እያ። ብኽልቲአን፥ እቲ ቐደም ብቕዱሳን ነቢያት ዝተነግረ ቓልን፥ ብሃዋርያት ዝረኸብኩምዎ፥ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ትእዛዝን እናዘኻኸርኩ፥ ቅኑዕ ሓሳባት ክህልወኩም እየ፥ ዝፅዕር ዘለኹ።

Ver Capítulo Copiar




2ይ ጴጥሮስ 3:1
15 Referencias Cruzadas  

እቲ ኣእዳዉ ዝነፅሃ፥ ልቡውን ንፁህ ዝኾነ፥ ነፍሱ ንኸንቱ ዘየልዓለ፥ ንብፃዩ ብጥበራ ዘይምሕል ሰብ እዩ።


እግዚኣብሄር ልቦም ቅኑዕ ንዝኾነ፥ ንእስራኤል ከመይ ሰናይ እዩ።


ንፁሃት ልቢ ብፁኣን እዮም፤ ንእግዚኣብሄር ክሪእዎ እዮም እሞ።


ካልኣይ ምሳኻትኩም ኣብ ዝነበርኩሉ ጊዜ፥ ኣጠንቂቐዮም ከም ዝነበርኩ፥ ሕዚ እውን ኣብ ርሑቕ ኮይነ፥ ነቶም ሓጢኣት ዝገብሩን፥ ነቶም ካልኦትን፥ ኣጠንቅቖም ኣለኹ። ኣብ ምምፃአይ ንሓደኳ ኣይርህርሀሉን፤


ኣብ ሓደኳ፥ ኢድካ ኣንቢርካ ንምሻም ኣይትተሃወኽ፤ ኣብ ሓጢኣት ካልኦት ከይትሳተፍ፤ ንባዕልኻ ብንፅህና ሓሉ።


ስለዙይ ነቲ ብምንባር ኢደይ ዝተቐበልካዮ፥ ኣባኻ ዘሎ ውህብቶ እግዚኣብሄር፥ ክተለዓዕሎ ኣዘክረካ ኣለኹ።


ኣቱም ፍቑራት ኣሕዋትና፥ ከምዙይ ኢልና እንተ ተዛረብና እኳ፥ ብዝበለፀ ዝሐሸን፥ ንድሕነት ዝኸውን ከም ዝኾነን፥ ተረዲእና ኣለና።


ንሓቂ ብምእዛዝኩም፥ ግብዝና ንዘይብላ ፍቕሪ ኣሕዋት፥ ነፍስኹም ስለ ዘፅረኹም፥ ብምሉእ ልብኹም ንስንሳትኩም ተፋቐሩ።


ኣቱም ፍቑራተይ፥ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ስለ ዝኾንኩም፥ ካብቲ ምስ ነፍሲ ዝዋጋእ፥ ስጋዊ ፍትወት ረሓቑ እናበልኩ፥ እልምነኩም ኣለኹ።


ስለዙይ ከዓ፥ ኣቱም ፍቑራተይ፥ ነዙይ እናተፀበኹም፥ ብዘይ ነውርን፥ ብዘይ ነቐፋን ኴንኩም፥ ብሰላም ምእንቲ ኽረኽበኩም፥ ብትግሃት ንበሩ።


ንስኻትኩም ግና ኣቱም ፍቑራተይ፥ ነዙይ ኣቐዲምኩም ስለ እትፈልጥዎ፥ ብስሕተት እቶም ስዲ ዝኸዱ ዘለዉ ተስሒብኩም፥ ካብቲ ፅኑዕ መሰረትኩም ከይትወድቁ ተጠንቀቑ።


ግና ኣቱም ፍቑራተይ፥ ብእግዚኣብሄር ሓንቲ መዓልቲ ኸም ሽሕ ዓመት፥ ሽሕ ዓመትውን ከም ሓንቲ መዓልቲ ምዃና፥ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ ኣይትረስዑ።


ንዅሉ ትፈልጥዎ እንተ ኾንኩም እኳ፥ ጐይታ ንህዝቡ ኻብ ምድሪ ግብፂ ኣውፂኡ ኸም ዘድሓኖም፥ ነቶም ዘይኣምኑ ግና፥ ከም ዘጥፍኦም ከዘኻኽረኩም እፈቱ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos