4 እግዚኣብሄር፥ ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ መላእኽቲ፥ ኣብ ፀልማት ጕድጓድ ፍርዶም ክፅበዩ፥ ናብ ገሃነም ደርበዮም እምበር፥ ኣይራህርሀሎምን።
እቲ ሓጥእ ንመዓልቲ መዓት ከም ዝሕሎ፥ ንመዓልቲ ቝጥዓውን ከም ዝፀንሕዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?
እንሆ፥ ንኣገልገልቱ እኳ ኣይተኣማመኖምን፤ ንመላእኽቱውን ስንፍና ይኸሶም።
ንቝጥዓኡ መንገዲ ፀረገ፤ ንነፍሶምውን ካብ ሞት ኣየድሓናን፤ ንእንስሳኣቶምውን ኣብ ውሽጢ ሞት ዓፀወ።
“ኣየ ኣታ ብሩህ ኮኸብ ወዲ ወጋሕታ፥ ከመይ ኢልካ ኻብ ሰማይ ወደቕካ! ንስኻ ንኣህዛብ ዘዋረድካስ፥ ከመይ ኢልካ ናብ ምድሪ ተደርበኻ!
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነ ህያው እየ፤ ብርግፅ ንመቕደሰይ፥ ብዅሉ ፅዩፍ ነገርክን ብዅሉ ርኽሰትክን ኣርከስክዮ፤ ስለዙይ ኣነ ድማ ኸንእሰኪ፥ ዓይነይ ንኣኺ ኣይርህርህን፤ ኣነውን ኣይሓዝነልክን።
ዓይነይ ኣየናሕስየልክን፤ ኣነውን ኣይርህርሀልክን፤ ኣነስ መንገድኺውን ኣብ ልዕሌኺ ኸምፅአልኪ እየ፤ ርኽሰትኪ ድማ ኣብ ማእኸልኪ ክኸውን እዩ እሞ፥ ንስኻትኩም እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።”
ዓይነይ ኣየናሕስን እዩ፤ ኣነውን ኣይርህርህን፤ ኣነስ ከም መጠን መንገድኺ ኸምፅአልኪ እየ፤ ርኽሰትኪ ድማ ኣብ ማእኸልኪ ክኽውን እዩ። ንስኻትኩምውን እቲ ዝቐስፍ ዘሎ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።”
“ብድሕሪዙይ ኣብ ፀጋሙ ንዘለዉ ‘ኣቱም ርጉማን፥ ካባይ ረሓቑ፤ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን ዝተዳለወ፥ ናብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ኺዱ፤
እንሆ ኸዓ “ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሄር! ንስኻ ምሳና እንታይ ኣለካ? ጊዜኡ እንተይበፅሐዶ ኽተሳቕየና ናብዙይ መፂእኻ?” እናበሉ ዓው ኢሎም ኣእወዩ።
“ኦ ኢየሱስ ወዲ ልዑል እግዚኣብሄር! ንስኻ ምሳይ እንታይ ኣለካ? ከይተሳቕየኒ ብእግዚኣብሄር ኣማሕፅነካ ኣለኹ!” እናበለ ብዓብዪ ድምፂ ኣእወየ።
ኢየሱስ ድማ፦ “ሰይጣን ከም መብረቕ፥ ካብ ሰማይ ክወድቕ እንተሎ ረአኽዎ።
ናብ መዓሙቕ ሲኦል ክኣትዉ ኸይእዝዞም ድማ ለመንዎ።
ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኻትኩም ዲያብሎስ ኢኹም፤ ድልየት እቲ ኣቦኻትኩም ክትገብሩ ኢኹምውን እትደልዩ ዘለኹም፤ ንሱ ኻብ መጀመርታ ቐታሊ ነፍሲ እዩ፤ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዘየለ፥ ኣብ ሓቂ ኣይፀንዕን እዩ። ሓሳዊ፥ ኣቦ ሓሰትውን ስለ ዝኾነ፥ ሓሰት ክዛረብ እንተሎ ኻብ ባዕሉ እዩ ዝዛረብ።
እግዚኣብሄር፥ ነቶም ብባህርዮም ጨናፍር ዝነበሩ፥ ካብ ዘየናሕሰየሎም፥ ንኣኻውን ኣየናሕስየልካን እዩ።
ንወዱ እኳ፥ ምእንቲ ዅላትና ኣሕሊፉ ሃቦ እምበር ዘየናሕሰየሉስ፥ ከመይ ደኣ ምስኡ፥ ኵሉ ብልግሲ ዘይህበና?
ነዝ ሰብ እዙይ እግዚኣብሄር ይቕረ ኣይብለሉን እዩ። ክንድኡስ ቍጥዓ እግዚኣብሄርን ቅንኣቱን ኣብ ልዕሊኡ ኽነድድ እዩ። እቲ ዅሉ ኣብዝ መፅሓፍዙይ ተፅሒፉ ዘሎ መርገም ከዓ ኣብ ልዕሊኡ ኽወርድ እዩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንስሙ ኻብ ትሕቲ ሰማይ ክድምስሶ እዩ።
መላእኽቲ፥ ብሓይልን ብስልጣንን ካብኣቶም ዝበልፁ እንተ ኾኑ እኳ፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ፀርፊ ዘለዎ ኽሲ ኣየቕርቡን እዮም።
ነታ ቐዳመይቲ ዓለምውን ኣይራህርሀላን፤ ነቲ ሰባኺ ፅድቂ ዝነበረ ኖህ ግና፥ ሻምናይ ርእሱ ጥራሕ ኣድሒኑ፥ ነቲ ናይ ሓጥኣን ቀዳማይ ዓለም ከዓ ራህሪሁ እንተይመሓረ፥ ኣብቶም ሓጥኣን ማይ ኣይሂ ኣውረደ እምበር።
ጐይታ ኸዓ ነቶም ዝፈርሕዎ፥ ካብ ፈተና ኸመይ ገይሩ ኸም ዘድሕኖም፥ ንገበርቲ ዓመፃ ድማ፥ እናቐፅዐ ኸመይ ገይሩ ኽሳዕ መዓልቲ ፍርዲ ኸም ዘፅንሖም ይፈልጥ እዩ።
ካብ መጀመርታ ጀሚሩ፥ ሓጢኣት ዝገብር ዘሎ ዲያብሎስ እዩ እሞ፥ ሓጢኣት ዝገብር ካብ ዲያብሎስ እዩ። ወዲ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ግብሪ ዲያብሎስ ምእንቲ ኸፍርስ ኢሉ እዩ ዝተገልፀ።
ንሳቶም ከምቲ ብርቱዕ ማዕበል ባሕሪ፥ ነቲ ነውራም ተግባራቶም፥ ከም ዝዓፍር ዝገብሩ፥ ካብ መንገዶም ከም ዝዘንበሉ ኸዋኽብቲ እዮም። ነዚኣቶም ግብ ዝበለ ፀልማት፥ ንዘለኣለም ይፅበዮም ኣሎ።
ነቶም ሰፈሮም ዝሓደጉ፥ መዓርጎም ዘይሓለዉ መላእኽቲ እውን፥ በታ ዓባይ መዓልቲ ምእንቲ ኽፍረዱ፥ ብናይ ዘለኣለም መቝሕ፥ ኣብ ፀልማት ኣሲሩ ኣፅኒሕዎም ኣሎ።
እቲ ዘስሕቶም ዝነበረ ዲያብሎስ ከዓ፥ ናብቲ እቲ ኣራዊትን፥ እቲ ሓሳዊ ነቢይን ዝተደርበይዎ፥ ቃላይ ሓዊን ዲንን፥ ተደርበየ። ንዘለኣለመ ኣለም ከዓ፥ ለይትን መዓልትን ክሳቐዩ እዮም።