22 እዙይ ከዓ እቲ “ከልቢ ናብ ትፋኡ ተመለሰ” ኸምኡ ኸዓ “ሓሰማ ተሓፂባ፥ ኣብ ፀብሪ ኣንገርገረት” ዝብል ምስላ ሓቂ፥ ኣብኣቶም በፅሐ።
ከልቢ ናብ ትፋኡ ኸም ዝምለስ፥ ሰነፍ ከምኡ ንስንፍናኡ ይደጋግሞ።
ነቲ ኣእማን ምስ ኣውፅእዎ፥ እታ ገዛ ድማ ምስ ተሓኸኸትን ምስ ተለቕለቐትን፥ እቲ ምልክት ሕማም መሊሱ እንተ ተርእዩ፥
ኢየሱስ ነዝ ምስላ እዙይ መሰለሎም፤ ንሳቶም ግና ነቲ ዝተዛረቦም ኣየስተውዓልዎን።