19 ዝተስዓረ ሰብ፥ ባርያ ናይቲ ዝሰዓሮ እዩ ዝኸውን እሞ፥ ንሳቶም ንባዕላቶም፥ ናይ ክፉእ ኣመል ባሮት እንተለዉ “ሓራ ኽትወፁ ኢኹም” እናበሉ፥ የተስፍውዎም ኣለዉ።
ንሰካራማት ኤፍሬም ናይ ትዕቢት ኣኽሊል ንዝኾነት፥ ኣብ ልዕሊ ዝለምለመ ለሰ ጉብ ኢላ፥ ናይ ክብሩ መልክዕ ዝኾነት ፅምልውቲ ዕምበባ፥ ብመስተ ወይኒ ዝተሰነፉ መመክሒት ንዝኾነት ወይለኣ!
ብዛዕባ ነቢያት ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተሰብረ፤ ኣዕፅምተይውን ተናወፀ። ብምኽንያት እግዚኣብሄርን፥ ብምኽንያት ቅዱስ ቃሉን ከም ስኹርን፥ ከምቲ ወይኒ ዘሸነፎ ሰካራም ሰብን ኮንኩ።
እቲ ኻህን ድማ ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ እቲ ሽሕር ኣብቲ ቘርበት ሰፊሑ እንተ ፀንሐ፥ ንሱ ሕማም ለምፂ እዩ፤ ሽዑ ዝረኸሰ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር።
ኢየሱስ ድማ “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ኵሉ ሓጢኣት ዝገብር፥ ንሱ ናይ ሓጢኣት ባርያ እዩ።
እቲ ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ሰብኣይ ከዓ፥ ዘሊሉ ሓነቖም እሞ ሰዓሮም፤ ክዳኖም ቀዲዱ፥ ጥራሕ ዝባኖም ኣውፂኡ ኣቝሲሉ፥ ካብታ ገዛ ሃዲሞም ክሳዕ ዝወፁ ድማ ንዅሎም ኣሰነፎም።
ብሓርነት ምእንቲ ኽንነብር ክርስቶስ ሓራ ኣውፂኡና እዩ። ስለዙይ ፅንዑ፤ መሊስኩም በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ።
ኣሕዋተይ፥ ንስኻትኩም ሓራ ኽትኮኑ ኢኹም ዝተፀዋዕኹም፤ ግና ሓርነትኩም ንስጋ ምኽንያት ኣይሃብ፤ ግና ንስንሳትኩም፥ ብፍቕሪ ከም ባሮት ኮኑ።
ንሳቶም ከዓ፥ ካብቲ ፍቓዱ ኽገብሩ ኢሉ፥ ኣሲርዎም ዝነበረ መፈንጠር ዲያብሎስ ኣምሊጦም፥ ናብ ልቦም ክምለሱ እዮም።
ንሕናውን ቀደም ዘይነስተውዕል፥ ዘይንእዘዝ፥ ግጉያት፥ ንብዙሕ ድልየት ስጋን ትምኒትን ዝተገዛእና፥ ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር፥ ብሰብ ፅሉኣት፥ ንስንሳትናውን እንፃላእ ነበርና።
ከም ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር፥ ብሓርነት ንበሩ እምበር፥ ነቲ ሓርነትስ፥ መጐልበቢ ኽፍኣት ኣይትግበርዎ።
በዙይውን፥ እታ ኽብርትን ዓባይን ተስፋ ረኸብና፤ በዛ ተስፋ እዚኣ፥ ኣብ ዓለም ካብ ዘሎ ኽፉእ ትምኒት ዘስዕቦ ጥፍኣት ኣምሊጥኩም፥ ተኻፈልቲ መለኮታዊ ባህርዩ ኾንኩም።
በታ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምፍላጥ፥ ካብ ርኽሰት ዓለም ዘምለጡ ሰባት፥ ተመሊሶም ብኣኣ ተጠሊፎም እንተ ደኣ ተስዒሮም፥ ካብ ቀዳማዮም ዳሕራዮም እዩ ዝገድድ።