16 እንተ ኾነ ሕጊ ብምፍራሱ ተግሳፅ ተቐበለ፤ ምዝራብ ዘይትኽእል ኣድጊ፥ ብድምፂ ሰብ ተዛሪባ፥ ንዕብዳን እቲ ነቢይ ዓገተቶ።
ንሰብ ስለ ሓጢኣቱ ብተግሳፅካ ዘለፍካዮ፤ ነፍሱ ድማ ኸም ዓለባ ሳሬት ትሃልቅ፤ ብሓቂ ዅሉ ሰብ ከንቱ እዩ።
ኣነ ግና ንጥበብን ናይ ኵሉ ነገር መወዳእታን መርሚረ ኽፈልጥ፥ ሓጢኣት ዕሽነት፥ ዕሽነትውን ዕብዳን ከመይ ከም ዝኾነ ኽርዳእ ልበይ ኣቕለብኩ።
ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዘሎ ኽፉእ ነገር ናይ ኵላቶም ብፅሒቶም ሓደ ምዃኑ እዩ። እምበኣር ልቢ ደቂ ሰብ ክፍኣት መሊኡ እዩ፤ ብህይወቶም እንተለዉ ድማ ዕብዳን ኣብ ልቦም ኣሎ፤ ድሕሪዙይውን ናብ ሙታን ይወርዱ።
ወርሓት ቅፅዓት መፂኡ እዩ፤ መዓልቲታት ፍዳ ኸዓ በፂሑ እዩ፤ እስራኤልውን ይፈልጦ እዩ። ካብ ብዝሒ ሓጢኣትካን፥ ካብ ፅልኣትካን ዝተልዓለ፥ እቲ ነቢይ ሰሲዑ፥ እቲ መንፈሳዊ ሰብ ድማ ኸም ዕቡድ ተቘፀረ።
እምበኣርከስ ብገንዘብ ዓመፃ፥ እንድሕር እሙናት ዘይኴንኩም፥ በቲ ናይ ሓቂ ሃብቲ፥ መን ይኣምነኩም?
ኣብ ኵሉ ኣብያተ ፀሎት ድማ፥ ብዙሕ ጊዜ እናቐፃዕኹ፥ እምነቶም ከም ዝኽሕዱ ገበርክዎም፤ የመና እናደድ ስለ ዝነበርኩ ኸዓ፥ ክሳዕ እተን ኣብ ወፃኢ ዝነበራ ኸተማታት እናሰዓብኩ፥ ኣሳጕጎም ነበርኩ።”