13 ዓስቢ ዓመፃኦምውን ክቕበሉ እዮም። ንኣኣቶም ሓጐስ፥ ብቐትሩ ምዕባድ ማለት እዩ። ነውራማትን ርኹሳትን እዮም። ንኽጥብሩኹም ኢሎም፥ ኣብ ማእድኹም ይሳተፉ፤ በዙይውን ይሕጐሱ።
ኣቲ ፍቕርተይ፥ ኵለንትናኺ ፅብቕቲ ኢኺ፤ ኣበርውን የብልክን።
ንበደለኛታት ግና ኽፍኣት ክረኽቦም እዩ፤ ከም ግብሪ ኢዶም ከዓ ኽፍደዩ እዮም እሞ ወይለኦም!
ብጐይላን ስኽራንን፥ ብምንዝርናን ዕብዳንን፥ ብባእስን ቅንኣትን ዘይኮነስ፥ ከም ብመዓልቲ፥ ብቕንዕና ንንበር።
ርስሓት ወይ ምጭምዳድ ወይ ድማ ንእኡ ዝመስል ካልእ ክፍኣት ዘይብላ፥ ቅድስትን ነውሪ ዘይብላን፥ ክብርቲ ቤተ ክርስቲያን ገይሩ፥ ንባዕሉ ምእንቲ ኸቕርባ እዩ።
መወዳእታኦም ግና ጥፍኣት እዩ፤ ኣምላኾም ከብዶም እዩ፤ ክብረቶም በቲ ነውሮም እዩ፤ ሓሳቦም ከዓ ምድራዊ እዩ።
እቲ ኣንጠረኛ እስክንድሮስ፥ ብዙሕ ጕድኣት ኣብፂሑለይ እዩ። እግዚኣብሄር ከምታ ግብሩ ይፍደዮ።
ኣብ ምድሪ ሓንቂቕኩምን መቺዩኩምን፥ ንመዓልቲ ማሕረዲ ኸም ዘህጥር፥ ልብኹም ኣስቢሕኹም ኣለኹም።
ናብቲ ዘፀይፍ ርኽሰት፥ ምስኣቶም ስለ ዘይጐየኹም ይግረሙ፤ ንኣኻትኩም ከዓ፥ ይፀርፉኹም ኣለዉ።
ነታ ቕንዕቲ መንገዲ ሓዲጎም ተጋገዩ፤ መንገዲ እቲ ዓስቢ ዓመፃ ዝፈተወ በለዓም ወዲ ባሶር ሰዓቡ።
ከምቲ ንሳ ዝፈደየትኩም ፍደዩዋ፤ ከምቲ ግብራውን ዕፅፊ መልሱላ። በቲ ዝቐድሐትሉ ፅዋዕ፥ ዕፅፊ ጌርኩም ቅድሑላ።